ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዘሎ ዝምድና ዘላሕልሕ፡ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዘናቁት ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ድሕሪ ናጽነት ድሕሪ 17 ዓመታት ዝወጸ መምርሒ፡ ዝያዳ መሰል ወነንቲ ኣባይቲ ዘረጋግጽ፡ መሰል ተኻረይቲ ብሓፈሻን መሰል ወነንቲ ትካላት ዘቆናጽብ፡ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ምዃኑ ድሮ ህዝቢ ተገንዚቡዎ ከምዘሎ እቶም ንጭታት የረድኡ።
ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዘሎ ዝምድና ዘላሕልሕ፡ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዘናቁት ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ድሕሪ ናጽነት ድሕሪ 17 ዓመታት ዝወጸ መምርሒ፡ ዝያዳ መሰል ወነንቲ ኣባይቲ ዘረጋግጽ፡ መሰል ተኻረይቲ ብሓፈሻን መሰል ወነንቲ ትካላት ዘቆናጽብ፡ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ምዃኑ ድሮ ህዝቢ ተገንዚቡዎ ከምዘሎ እቶም ንጭታት የረድኡ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሶማል ንኣሸበርትን ፈጠርቲ ራዕድን ብምሕጋዙን፡ ብጉዳይ ዶብ ምስ ጅቡቲ ተፈጢሩ ብዘሎ ምስሕሓብ፡ ኤርትራ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዶብ ብዘይ ምቕያዳን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወድእታ ሰሙን 2009 ናብ ውልቀ መላኽን ጭፍርኡን ዘነጻጸረ ናይ ኣጽዋር መሸጣን ዕድግን ዝኽልክል፡ ኣብ ደገ ብስም መንግስትን ውልቀ ሰባትን ንዘሎ ንብረትን ገንዘብን ዘደስክል፡ መስል ምንቅስቓስ ሰበስልጣናት ዝሓጽር ውሳነ ሓሊፉ ኣሎ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ፈነወ ድምጺ ኣሰና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 1 መጋቢት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ናይ ራድዮ ፈነወ ፡ ካብ ሎሚ 8 መጋቢት ደው ከነብሎ ከምዝወሰንና ሓቢርናኩም ኔርና። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተኸታተልትና ብዝረኸብናዮ ግብረመልሲ መሰረት፡ ነቲ ድምጺ ኣሰና ደው ናይ ምባል ውሳኔ ኣሽንባይ ዶ ክትውዕሎ ክትሓስቦ ‘ኳ ዝድፍር ኣይኮነን።

ሎሚ 8 መጋቢት መበል ሚእቲ ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ እዩ። ኤርትራውያን ደቅንስትዮ ኸኣ፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ዕለት ‘ዚ፡ ኩነታተን ገምጊመን ተራአን ዘጕልሕ ዕማማት ከዋድዳ ይግባእ።
ብተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝተዳለወ በዓል ዝኽሪ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብዕለት 06.03.2010 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ። እቲ በዓል ብርክት ዝበለ ብዝሒ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝተሳተፍዎ፡ ከምኡውን ኣርየስ ላቲኖስ ዝተባህለት ባህላዊት ጉጅለ ላቲን ኣመሪካ ማሓዛ ማሕበር ተበግሶ ዝተሳተፍዎ በዓል’ዩ ነይሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ዘመን መመላእታ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 1991 ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተላቒቑ። ድሕሪ ናጽነት፣ ነቶም ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ልዕሊ ኣምላኽ ብምእማን ኩሉ እንትንኡ ኣረኪቡ ክሕብሕቦምን ከምልኾምን ኣብ ዝጀመረሉ፣ ናይ ነገር ግዜ ሓቀኛ መንነቶም ብንግሁኡ በጨቕ ክብል እኳ እንተጀመረ ቀልጢፉ ዓገብ ከብሎም፣ናይ ነገር ወላዲ ኮይንዎ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኮይኑ ክሓልፎ እዩ መሪጹ።

15 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ካብ ስርዓት ህግደፍ ብምምላጥ፡ ምእንቲ ድሕነቶም ንግዚኡ ክንጠቕሳ ኣብ ዘይደለና ሃገር ኣትዮም፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ድምጺ ኣሰና ሰኑይ 8 መጋቢት ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ከተቋርጽ ምዃና ድሕሪ ምሕባርና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ብቴለፎንን ኢመይልን ስምባዲኦም ኣብ ልዕሊ ምግላጽ፡ ቀጻልነት ኣሰና ንምርግጋጽ፡ ከም ቀወምቲ ኣባላት ተመዝጊቦም ቀጻሊ ወፈያ ክገብሩ ድሉውነቶም የረጋግጹ ኣለዉ። እዚ ተበግሶ እዚ ግን፡ ብተሳታፍነት ብዙሓት ግዱሳት ጥራይ ክዕወት ከምዝኽእል ብምግንዛብ ከኣ፡ ብመሰረት ርእይቶን ግብራዊ ተበግሶን ህዝቢ ነዚ ዝስዕብ ኣፈናዊ ሓሳብ ነቕርበልኩም።

እታ ጉጅለ ኣቐዲማ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣበርክቶ ገይራ ነይራ እያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ውሑድ ዓቐን ዘለዎ ገንዘብ ናብ ብዙሓት ሰባት ብምምቕራሕ፡ ወርሓዊ ኣበርክቶ ብምግባር ንቐጻልነት ድምጺ ኣሰና ከውሕስ ይኽእል እዩ ብዝብል እምነት ነቲ ተበግሶ ከምዝወሰደት ኣረዲኣ።

እዚ ንድምጽና ድምጺ ውጽዓት ዝኾነት ድምጺ ኣሰና ኣጋጢሙዋ ዘሎ ፋይናንሳዊ ጸገም ንኽፍታሕ ብዓቕምና ኣበርክቶና ከነወፊ የዕሩኽቲ ኣሰና ተዳሊና ንርከብ። ነዚ ቁዱስ ሃገራዊ ዕላማ ሸትኡ ንኽወቅዕ ኩሉኹም ፈተውቲ ሀገርን ህዝብን ኤርትራ እጃምኩም ከተወፍዩን ንኣሰና ናብ ንቡር ሂወታ ኣብ ምምላስ ተራኹም ንኽትጻወቱ ንሕና የዕሩኽቲ ኣሰና ብኽብሪ ንዕድመኩም።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብስርዓቱ ንዝምልመሉን ዝንቀሳቀሱን ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢ ጎልጅ ዝመደበሮም ልዕሊ ትሽዓተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዱዎ ዘለዉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምንቅስቓስ ዘዕግብ ውጽኢት ከምዘየምጽኡ ኣብ ዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ዘካየደሎም ወግዓዊ ኣኼባ ከምዝገለጸ ምንጭታት ሓቢሮም።

ቤትምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ውሳኔ 1907 ተመርኵሱ፡ ብቑጽሪ (5534/10) ዝፍለጥ ንትግባረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምትግባር ንኽሕግዞ ዝኣመሞ ኣህጉራዊ ቀያዲ ስጉምታት ከምዘጽደቐ ብ 1 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ራድዮ እቲ ዝበለጸ መራኸቢ ከምዝኾነ ተገንዚብና ወትሩ እንሓስበሉ ዝነበርና ባህጊ እዩ። እንሆ ድማ ድሮ ሓደ ዓመት ሓሊፉ፡ ድምጺ ኣሰና ክንጅምር ሓቦ ካብ እንገብር። ሓቦና ንበይኑ ግን እኹል ኣይነበረን። ሓቦናን ልግስኹምን ተደሚሩ እዩ፡ ንኣእምሮ ናይቶም ዓመጽቲ ዘናውጽ መቓልሕ ድምጺ ፈጢሩ። ስለዚ፡ ካብ ተበግሶና ንላዕሊ ደራኺ ንዝነበረ ንገንዘባውን ሓበሬታውን ኣበርክቶኹምን ሞራላዊ ደገፍኩምን ብልቢ ነመስግን።
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንገለ ክፋል ሰራዊት ካብ ዝእዝዙ ካብ ኮለኔል ንላዕሊ ንዝመዓርጎም ኣዘዝቲ ፡ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣመልኪቱ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብገለ ካብኣቶም ተሪር ተቓውሞታት ከምዘጋጠሞ፡ ኢሳይያስ ከኣ ንተቓውሞታቶም ብነድርን ሕርቃንን ከምዝመለሸሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዝተተርጎመ ጽሑፍ ናይቲ ብ ሞኒተሪን’ ግሩፕ ዝፍለጥ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ንምግሃስ ነቲ ብ 751 /1992 ዝፍለጥ ወታሃደራዊ እገዳ (Arms Embargo) ኣብ ሶማሊያ፡ ዝከታተል ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኮለኔል ዩሱፍ ነጋሽ ወርቀ፡ ብፍልይቲ ነፋሪ ኣብ መቓድሾ ከምዝወረደን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣኽረርቲ ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለታት ኣኼባታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ብተዮታ ፒክ ኣፕ በርባዕተ ቦዲጋርድታት (Technicals) ተዓጂቡ ናብ ማሪር ጉር ዝተባህለ ቦታ፡ ምስ ሸኽ ሓስሰን መሓመድ ዳህር ኣወይስ ኣኼባ ክገብር ከምዝተበገሰ ርኢና ኔርና።

እዚ ጽሑፍ’ዚ ካብቲ ብ “Monitoring group and the Panel of Experts” ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ; ንምግሃስ ውሳኔ ባይቶ ጽጥታ ኣብ ልዕሊ ሶማሊያ፡ ነቲ ብቁጽሪ 751/1992 ዝፍለጥ ውሳኔ ዝከታተል ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ፡ ወግዓዊ ዝገበሮ ጭብጥታት ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ሶማሊያ መሰረት ዝገበር’ዩ ። ኣቕዲመ ግን ንዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ነቲ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ነዚ ሕጋዊ መርቶዖታት ናይ ባይቶ ጸጥታ ናብ ኣንበብቲ ስለ ዘብቀዖ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ካብዚ ቀጺለ እንበኣር ናብ ጽሑፈይ ክኣቱ።
ኣብ ሓደ ሃገር ላዕላዋይ ኣዛዚ ወተሃደር ጀነራል ክመጽእ’ዩ ተባሂሉ ገፊሕ ሜዳ ተመሪጹ ኩሎም ወተሃደራት ይእከቡ። ጀነራል ኣብቲ ሜዳ ምስ በጽሐ ኩሎም ኣብ ዘዘለዉዎ ኰይኖም ኣእጋሮም የማን ጸጋም እናረገጹ ከለዉ ጀነራል እናተዛወረ ይምልከት። ኩሉ ወትሃደር ብሓደ የማን ክረግጽ ከሎ ሓደ ወተሃደር ግን ንበይኑ ጸጋም ክረግጽ ይርኢ።

There will be an Exhibition of postcard, stamps, coins, maps, book, documents and also bounce-house for children food and drink will be provided free of charge.

ስርዓት ህግደፍ፡ ናብ ወጻኢ ክኸዱ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ከምመሰጋገርቲ (Human Traffickers) ተመሲሎም ብምስራሕ ኣሽሓት ዶላራት ድሕሪ ምምልጣጦም ተመሊሶም ከእስሩዎም መምርሒ ዝህብ ምስጢራዊ ተዘዋዋሪ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ እሙናት ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ኣብ ዓዲ ከፈለት ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዱባርባ፡ ናይ ኣርብዓ ሰባት ሬሳታት ብወ/ሮ ፋንታየ ፡ ብዓልቲ ቤት ነፍስሄር ደጃዝማች ተስፋይ በራኺ ብቡልዶዘር ተፋሒሩ ወጺኡ፡ ኣብቲ እቲ ሬሳታት ተቐቢሩሉ ዝነበረ ቦታ ድማ፡ ናይ ስድራቤተን ጋህሲ ኣስሪሔናሉ ኣለዋ። እቶም ዓዲ ድማ ነቲ ሬሳታት ኣብኡ ዝነበረ ኣብ መሸማዕ መሊኦም ፍታሕ እንተረኸቡ ኢሎም ፎቖዶ ቤት ፍርዲ ኮለል ይብሉ ኣለው። እዚ ጉዳይ ካብ ዝጅመር ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኮይኑ’ሎ፡ ስጋዕ ሕጂ ግን ፍታሕ ኣይረኸበን ኣሎ። ምስ’ዚ ጉዳይ ዝተተሓዘ ድማ፡ ሓሙሽተ ደቂ ዓዲ ንሓደ ዓመት ብዘይ ክስን ፍርድን ተኣሲሮም ኣለው።

ሰኑይ 22 ለካቲት ንኹሎም ፈተውቲ ሃገርን ህዝብን ዝኾንና ኤርትራውያን ካብተን ዝሓለፋ ሰኑያት ዘይትፍለይ ሰኑይ እያ ኔራ። እንተ ነቶም ህግደፋውያንን ኢሰያስያውያንን ግና ከም ፍልይቲ መዓልቲ እዮም ክጽበይዋ ቀንዮም። ንህዝቢ ዝረኸበ ረኺብዎም መዓንጣ ከብዶም ተሓሚሶም እዮም ወሪሖም። ግና ዘይተርፍ ሓመድ ድበ ስለ ዝኾኖም ቅባጸት ንኽቀብጹ ከምቶም መሰልቶም በሃማት ልኡኽ ከብጽሑ ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ (city hall) ሲት ሆል ተኣኻኸቡ። ዕላማ መምጺኢኦም ነቲ ብውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተወሰነ ኣገዳ ንምቅዋም እዩ።
| Country | Target | Pledged | Remaining |
| 50 | 14 | 36 | |
| 50 | 2 | 48 | |
| 50 | 0 | 50 | |
| 30 | 1 | 29 | |
| 30 | 1 | 29 | |
| 30 | 0 | 30 | |
| 30 | 2 | 28 | |
| 30 | 0 | 30 | |
| 30 | 2 | 28 | |
| 10 | 0 | 10 | |
| 10 | 0 | 10 | |
| 75 | 7 | 68 | |
| 75 | 10 | 65 |