Eritrean News - assenna

Thursday
Mar 11th
Text size
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home ትግርኛ ኣብነት ዶር በረኸት - ዓዲ ለባማት ዶ ምኾነት ግዳይ በሃማት !!
Print PDF

ሕንኵልቲ በሃማት ተጸሚሞም ሃገር ናይ ምግልጋል ተበግሶ ዝወሰዱ እንተነይሮም ‘ውን ተበግሶኦም ተኾሊፉ፡ ተስፋ ቖሪጾም፡ ኣብ ሃገሮም ቀንዲ ኮይኖም  ነቲ ድኻ ህዝቦም ክንዲ ዘገልግሉ፡ ኣብ ስደት መመላእታ ኮይኖም ብልሖምን ተመክሮኦምን ንርቡሓት ሕብረተሰባት የፍስሱሎም ኣለዉ። ሓደ ካብዚኣቶም ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ እዩ። ንሱ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ‘ውን ሓደ ካብቶም ውሑዳት ናይ ቅዋማዊ ሕጊ ምሁራት ኮይኑ ኣብ ዘበናዊ መድረኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቕዓቱን ተመክሮኡን ዘመስከረ ሊቕ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣመሪካ ኖርዝ ካሮላይና ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ኣፍርቃዊ መጽናዕትን ፕሮፈሰር ሕግን ኮይኑ ይዓዪ ኣሎ። ወዮ ደኣ ትግባረ ሓሪሙዎ እምበር፡ ኣብ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ‘ውን ኣቦ ወንበር ኮምሽን ቅዋም ኤርትራ ኮይኑ ክሳብ ‘ቲ ሰነድ ዝጸደቐሉ ዓመት 1997፡ ንሰለስተ ዓመት ሰሪሑ። ወኪል ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ‘ውን ኣገልጊሉ። ናብ ሰውራ ኤርትራ ቅድሚ ምጽንባሩ ኣብ ዘበን ንጉስ ሃይለስላሰ ኣኽባሪ ሕጊ ኢትዮጵያን ካልኦት ላዕለዎት ጽፍሕታትን ብምሓዝ ከኣ ዓይዩ።


ምንጭታት ርዝነት ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ ግን፡ ካብቶም ከም በዓል ዩኒቨርሲቲ ለንደን ዝኣመሰሉ ብሉጻት ዩኒቨርሲቲታት ዘዋህለሎ ኣካዳምያዊ መዓርግ፡ ወይ ከኣ፡ ኣብ ከም ዘበን ሃይለስላሰ ዝኣመሰሉ ናይ ዝናን ክብርን መድረኻት ዝተሰከሞም መዝነታት ኣይኮኑን። እንታይ ደኣ፡ ነቶም መዓርግ ዝሸለሙዎ ከይተረፈ ብመንጽር መትከላዊ እምነቱ ምምካቱ እዩ ኣብ ክንዲ ምሁር ደንቆሮ ምሁር ኣእሙሮ ዝገብሮ። ልቦና ክንብል ከለና እምበኣር ቀለም ጥራይ ማለትና ኣይኮነን።

ንንጉስ ሃይለስላሰ፡ ንጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት ብዝኽተሎ ዝነበረ ፖሊሲታትን ስጉምታትን ቅሬታኡን ተቓውሞኡን ኣይሓባሉን። ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ነቲ ብመሪሕነት ዝነደፎ ቅዋም ብዘይምትግባሩን ዲክታተርነት ብምዝውታሩን ኣይነሓፎን። እዚ ትብዓት ‘ዚ ምስ ኣእሙሮኡን ፍቕሪ ሃገሩን ተደሚሩ ኸኣ ’ዩ ንልቦናኡ ምሉእ ዝገብሮ። ንሕና ኤርትራውያን ደኣ ኢና ብገዛእ ጸጋና ዘንጊዕና እምበር፡ እቶም ንኣእሙሮኡን ተመክሮኡን ዘስተብሃሉሉ፡ ናይ ትምህርቲ ቅኑዕ ሚዛን ዘለዎም፡ ብምህሮን መዓርግን መዛኑኡ ዝኾኑ ወጻእተኛታት ‘ኳ ድሮ ንዕብየቱ ጸምቢሎሞ እዮም።

እቶም ለባም እንተሎ በሃም ክህሉ ከምዘይክእል ዝተገንዘቡ፡ ንስልጣኔን ምዕበለን ሃገር ተገዳስነት ዘይብሎም፡ ስልጣን ዘዕብዶም፡ ንምሁራን ወግሐ ጸብሐ ከም ክስራን ዝገልጹዎም፡ ድንቁርናን ድሕረትን መባልዕቶም ዝቖጽሩዎ ናይ ሎም ዘበን “መራሕቲ ኤርትራ” እንከለዉ 'ኳ ንምሁራት ግቡእ ዕድልን ቦታን ክብርን ምሃብ ተቐቢጹ እዩ። እቶም ገስጋስን ምዕባለን ሃገር ኣብ ስነ-ፍልጠት ከምዝምርኮስ እንግንዘብ ‘ሞ ንሃገርና ጽቡቕ ትምኒት ዘለና ኤርትራውያን ግን፡ ንምሁራትና ንሃገርና ክገብሩላ ከለዉ ብምትብባዕ፡ ክዝሕሉ ኸለዉ ዋላ ዕሽር ክገብሩ ብምዝኽኻር ንመጻኢ ወለዶ ሰናይ ውርሻ ክገድፉልና ክንድርኾምን ክንሕብሕቦምን ኣለና።

ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ ሎሚ ኣርእስቲ ኣሰና ኮይኑሉ ዘሎ ምኽንያት እምበኣር እዚ እዩ። ኣብቲ ድሮ ዝወፈዮ ሃገራዊ ኣበርክቶ ከይተሓጽረ፡ ንተመክሮኡ ዝትርኽ መጽሓፍ ብምድላው ሓደ ፍሉይ ውርሻ ኣቕሪቡልና ኣሎ።

እዚ ብእንግሊዝኛ (ብትግርኛ ከሕትሞ ‘ውን ተስፋ ኣለና) THE CROWN AND THE PEN ብዝብል ኣርእስቲ ዝድረሶ ኣብ RED SEA PRESS ዘሕተሞ መጽሓፍ ንውህሉል ተመክሮኡ ስለዝገልጽ ጥራይ ኣይኮነን ዘህርፈና። ሞያኡን ተሞክሮኡን ኣብ ኩነታት ሃገርናን ንሃገርና ዝጸሉ ኩነታትን ዝተመስረተ ብምዃኑ ሃገርና ንዝሓለፈቶ ታሪኻዊ መድረኻት ብዓይኒ ልቦናኡ መሊስና ክንድህስሶ ዕድል ስለዝፈጥረልና ‘ውን እቲ ድርብ ኣበርክቶኡ ከምልጠና ዘይግብኦ ግምጃ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ንዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ ብልቦናኡን ተመክሮኡን ዝስምዓና ሓበን እናገለጽና፡ ብቕዱምን ድሑርን ሃገራዊ ኣበርክቶኡን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ህሉዋትን መጻእትን ወለዶ ሓልዮት ብምርኣይ ንውርሻ ዝኸውን ህያብ ብምዕውቱ ብልቢ ንምጕሶ።

በሃም ክጠፍኣልካ ኸሎ፡ ለባም ክደጋግመካ ከሎ ጥዑም ‘ዩ ሞ፡ ካብቲ ቁምነገርካን ሞያኻን ድገመና እናበልና ኸኣ፡ ዕድመን ኣሳልጦን ዓወትን ንምነየሉ። የቐንየልና!

ኣሰና!!
Asenai.com

 

 

Make a Pledge - Make a Difference

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65