Eritrean News - assenna

Friday
Mar 12th
Text size
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home ትግርኛ ኣተኵሮ ራኢ ዘይብሉ መሪሕነት
Print PDF

ኢሳያስ አፈወርቂ አብ መደርኡ፡ ብሰንኪ’ቲ ብሕጊ ዘይግዛእ ሰርዓቱ፡ ሀዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር መነባብሮ ከይዓጠጦ፤ ከምኡ’ውን ብሰንኪ’ቲ ብሕግታት-ዓለም ዘይቅየድ ናይ ወጻኢ-ዝምድና ፖሊሲታቱ፡ ገጢምዎ ንዘሎ ተነጽሎ ካብ ዓለም፡ ሕጂ’ውን ከይሐነኸ፡ አታላሊ ሜላታት ብምጥቃም፡ነቲ ‘ወያነ’ ዝብል ቃና ነክዩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ “ጸላእትካ ምዕራባውያን እዮም፡ ብፍላይ ከአ፡ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ/CIA ን፡ንዓ፡መክት”፡ ዝብል አብ ጭቡጥ መርትዖ ዘይተመርኮሰ፡  መስተንክር ዝኮነ ፕሮፓጋንዳዊ ጎስጋስ አካይዱ።

ኢሳያስ አፈወርቂ፡ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ንዕቀት ዝለ ዘሕደረ፡ ህዝቢ አብ ታሪኹ ርእይዎ ዘይፈልጥ ጨካን መነባብሮ እንዳሕለፈ እንከሎ፡ “ህዝቢ ሐንቂቁ” ይብል፡ ህዝቢ እንዳጠፍአ፡ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ “ህዝቢ ይህነጽ አሎ” ይብል፡ ከምኡ’ውን ከም መራሒ መጠን ንህዝቢ፡ ስራሕ  ክፈጥረሉ ስርሑ ምኻኑ ዘንጊዑ: “ስራሕ ዝሰአኑ ዘረባ ክስንዑ ዝውዕሉ”፡ ክብል አብ መርበብ መራከቢ-ብዙሃን ዝስማዕ መራሒ እዩ። ካብዚ ክቱር ንዕቀት ዝነቀለ ከአ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ትማል ዘይዝክር፡ንሱ ዝበሎ ጥራይ ዝደግምን ዘተግብርን፡ ዘይሐስብ ገይሩ፡ አብ ፍጹም ናይ አተሐሳስባ ምልኩ ንኸእትዎ ዝሕልን ሰብ እዩ። እዚ ከአ መለለይ ዲክታተርያዊ ባህርያቱ እዩ።

ናይ ሐድሽ ዓመት መደረ ኢሳይስ አፈወርቂ፡ካብ ካልአይ ውግእ ዓለም አትሒዙ፡ ዕብለላ ምዕራባውያን ብፍላይ ሕ/መ/አ ፡ከም ሐድሽ ተርእዮ አምሲሉ፡ ጸላእትኻ እዮም፡ ተለዓል መክት ዝብል ትርጉም-አልቦ ጎስጋስ አካይዱ። ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ሃገርና አትያቶ ዘላ ጸገም ግን፡ እቲ ንሃገርን ህዝብን ብዓመጽን ሐይልን፡ ብዘይ ፍትሒ ዝገዝእ ዘሎ ውልቀ-መሪሕነቱን መሻርኽቱን እዮም። ባህርያት አመራርሕኡ ከምኡ ስለ ዝኾነ ከአ፡ ንናይ ወጻኢ-ጉዳይ ዝምድናታት ሃገር፡ አብ ክንዲ ብሕግታት-ዓለም፡ ብሐይሊ ጥራይ ስለ ዝምልሶ እዩ።

አብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት፡ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ንአብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጣበቅቲ ሰብአዊ መሰላት’ውን አጨኒቁን አስደሚሙን ዘሎ ጉዳይ ስለዝኮነ፡ ንግዚኡ አብዚ ገዲፍና፡ አብዚ ቀረባ ዓመታት  ዝምድና ኤርትራን ሕ/መ/አ ን እስከ ገለ አብነታት ንመልከት። አብ 1993 ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር፡ ወግዓዊ አህጉራዊ  ተፈላጥነት ድሕሪ ምርካባ፡ምስ ምዕራባውያን ይኹን ካልኦት ሃገራት፡ ብፍላይ ከአ ምስ ሕቡራቲ መንግስታት አሜሪካ፡ድፕሎማሲያዊን ስትራተጂካዊን ርክባት ይካየዱ ኔሮም እዮም።

እንተኮነ ግን፡ ኢሳያስ አፈወርቂ አብ ሐድሽ ዓመት መደረኡ፡ ጭቡጥ መርትዖ ከይገለጸ፡ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ CIA ዝተደፋፍአ ምንባሩ ገሊጹ። ኮይኑ ግን አብቲ እዋን ውግእ ኤርትራን-ኢትዮጵያን፡ ሕ/መ/አ ነቲ ውግእ ብአጋ ጠጠው ንኽብል ፈቲኖም እዮም። ከም አብነት፡ ንብዙሕ ሂወት-ሰብ ንምድሐን ዝሐሸ ነይሩ ክንሱ፡ ኢሳያስ አፈወቂ ዘይተቀበሎ ፡ብሩዋንዳን-አሜሪካን ዝፍለጥ ናይ መጀመርያ እማመ-ሰላም ክጥቀስ ይከአል። ብካልእ ሸነኽ’ውን፡ እቲ ጠንቂ-ውግእ ኤርትራ እያ ዝብል ፍርዲ፡ አብ ወርሒ 12/2005 ምስተወሰነ፡ ኤርትራ ብአጋ አሜን ኢላ እያ ተቀቢላቶ። ካብዚ ዘይፍለ’ውን፡ ከም መርአያ ናይቲ ብድሕሪ 1998 ዝነበረ ዝምድና ኤርትራን ሕ/መ/አ ን፡ ጽቡቅ ምንባሩ ዝእምት ገለ አብነት ንምጥቃስ፡ አብቲ 2003 ሕ/መ/አ ንዒራቅ ንምውቃዕ እትዳለወሉ ዝነበረት እዋን፡ ኤርትራ ሐንቲ ካብተን ደገፈን ዝገለጻ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነት፡ ብዙሕ ወጻኢታት ብምግባር አሳለጥቲ ጉዳይ ብምቍጻር፡ ማለት (lobbyist)፡ ናይ መጥቃዕቶም ቀንዲ መናሃርያ፡ ካብ መሬትን ባሕርን ሰማያታን ኤርትራ ክዋፍሩ፡ ብወገን ኤርትራ ጠለብ ተገይሩ እዩ። እንተኮነ ግን፡ Pentagon ነቲ ጠለብ አብ ግምት ነእትዎ ክብል ከሎ፡ Department Of Sate ግን አይተቀበሎን፡ ከም ውጽኢት ከአ ካብ Djibouti ክዋፈሩ ወሲኖም።

ዝምድና ኤርትራን ሕ/መ/አ ን ቅድሚ 1998 ይኹን ድሕሪኡ፡ ስጋዕ’ዘን ዝሐለፋ ውሑዳት ክልት/ሰለስተ ዓመታት፡ ምስ ምትእትታው ጉዳይ ሶማልን ጅቡቲን ዝተተሐሐዘ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዝምድና ሕማቅ ዝነበረ አይመስልን ። ሕ/መ/አ ግን ካብ ንውሕ ዝበለ እዋን አትሒዞም፡ ብዕቱብ ዝሰርሕሉ ዘለው ጉዳይ፡ እቲ ሜላ ከዔውቶም ዱዩ አይኮነን ንግዚኡ ንጎድኒ ገዲፍና፡ ንእስላማዊ ጥሩፍነት ብግሁድ ይቃለስዎ ከምዘለው ምሉእ ዓለም ዝዕዘቦ ዘሎ ሐቂ እዩ። አብ ቅድሚ ስትራተጂካዊ ረብሖኦም ዝመጾም ከአ ከምዘድግፍዎ ርዱእ እዩ።

አብዚ ሳምንታት’ዚ፡ አብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ኢሳያስ አፈወርቂ ዝአዘዞ መኸተ ንምትግባር፡ ብመገዲ ህግደፋውያንን አምባሳደራትን ዝውደብ፡ ንህዝቢ ነቲ አብ ሃገሩ ዘይረኸቦ መሰል ተጠቂሙ፡ ናይ መኸተ አኸባታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን አንጻር እገዳን ዕብለላን ከካየድ መስደመም ዝኾነ ጽዑቅ ይጎሳጎስ ይካየድ አሎ። እቲ ትማል ተበገስ ከይበልካዮ ዝብገስ ህዝቢ፡ ሎሚ ስለምንታይ ሐያል ጎስጋሳትን ተጽዕኖን አድልይዎ። እዚ እምብአር ንውሽጣዊ ሃልኪ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን፡ አብ ውሽጢ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ግፋዕታት ንምሽፋን፡ ሃልኪ ካብ ምኻን ሐሊፉ፡ ንጉዳይ እገዳን ዕብለላን ንምፍታሕ ዝሕግዝ አገባብ አይኮነን።

ጉዳይ እገዳ ክፍታሕ፡ ብመጀመርያ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠልቦ ዘሎ፡ ብምርጭኡ ዘቁሞን ዝሳተፎን፡ መሰል ሰብ ዘኽብር፡ ፍትሐዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክህሉ አለዎ። ምስኡ’ውን ምስ ጎረባብትን ዓለምን፡ብሲቪላዊ-ልዝብን ምርድዳእን፡ ሰላማዊ ዲፕሎማስያዊ መስርሕ ሕግታት-ዓለም አኽቢሩ ዝሰርሕ ሃገር ይድሊ። ነዚ ክልተ ሐያል ሃገራዊ ዕላማታት ንምዕዋት፡ኩሎም ንደሞክራስያዊ-ለውጢ ዝቃለሱ ሐይልታት ኤርትራ፡ ሐድነቶም አቀዲሞም፡ አበርቲዖም ክሰርሕሉ ዘለዎም እዋን ሕጂ እዩ።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ                  ቃራና ካብ ካሊፎርንያ

31.01.2010

 

Make a Pledge - Make a Difference

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65