Eritrean News - assenna

Friday
Mar 12th
Text size
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home ትግርኛ ቃል ኣሰና ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይ ጨባ

ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይ ጨባ

Print PDF

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢሳይያስ ነቶም ብወገን ፖለቲካ ጽግም ክብሎ ኸሎ መልጎም ጠዊቑ ከም መብረ ዓሻክሩ ዝጥቀመሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ነቶም ሓንቲ ቃሉ ከይርስዑ ወይ ከይመልኡ ፈጥፈጥ እናበሉ ዘንብቡ ኣምባሳደራት ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተበየነ ኣብ ሓለፍቲ ህግደፍ ዘነጻጸረ እገዳ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ምዃኑ ንምእማን “ ናይ ርድኡና ርድኡና” ዘይተኣደነ ሰሚናራት ከካይዱ ኣዚዙዎም ቀንዩ።



እቶም ማይክሮፎን ኮይኖም ቃላቱ ክደግሙ ዝተቐረቡ ዕሱባት ምልኪ ከቃልሑዎ ዝቐነዩ ነንሕድሕዱ ዝጋራጮ ጥረ መልእኽቶም ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታትይጠቓለል።

-    እቲ እገዳ ናብ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ እዩ
-    እገዳ ባይቶ ጸጥታ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ዘሕንኽ ስጉምቲ እዩ
-    ጉዕዞ ምዕባለ ኤርትራ ንምጕንዳብ ተባሂሉ ዝተሃንደሰ እዩ
-    እገዳ ንዓና ሓድሽ ኣይኮነን፡ ወትሩ ምስተኣገድና ኢና
-    እቲ ስዉርን ግሁድን ውዲት ዓለም ንሓይልና ዝምስክር እዩ
-    እቲ ዓማጺ ስጉምቲ እገዳ መሊሱ ናህሪ ክውስኸልና እዩ
-    ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ ኣለዎ
-    መኸተና ክሕይል ኣለዎ …… ወዘተ ዝብል እዩ።

ሕሉፍ ሓሊፎም ገና እቲ እገዳ ትግባረ ከይጀመረ ኸሎ፡ ወረ ኢሳይያስ ባዕሉ ኣብ ዝሓለፈ ቕነ ኣብ ዝገበረኦ ቃለመጠየቕ፡ ‘ሕጊ ናይቲ ጸወታ ዛጊት ኣይፈለጥናዮን’ ኢሉ ብሃምነቱ ክሓብእ ዘይከኣለ ክንሱ፡ ኣብ ቲቪ-ኤረ ብዘስምዑዎ ዘለዉ ናይ ሓደ ሰሙን ዋጭዋጭታ ድሮ ከምዝፈሸለ ከይሓነኹ ክዛረቡ ይስምዑ ምህላዎም ብፍላይ ዘገርም እዩ። እዚ ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ‘ዚ፡ ነቲ ኣብ ምዅናን እገዳ ባይቶ ጸጥታ ክስዕቦም ዝልምኑዎ ዘለዉ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ከምዝንዕቁዎ፡ ኣበይ ከይበጽሕ ኢሎም ብሻላማላ ከምዝርእዩዎ ዘነጽር እዩ። ብሓቂ ሕንከት ዝፈልጡዋ እንተኾይኖም ከኣ፡ ሕንከቶም ካብዚ ክጅመር ምተገብኤ።

ነዚ ኣፈኛታት ውልቀምካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መዋጥር ኮይኖም ዝነብሑዎ ዘለዉ ናይ ጨነቀው ነጥብታት፡ በብሓደ ክትገልጽ ምፍታን ኣብ ሃለውሳ ኣቲኻ ግዜ ምብኻን እዩ።  ምኽንያቱ ርትዓውነት የብሉን። ንገለ ካብቶም ነጥብታት ነንሕድሕዶም ኣገናዚብካ ተገራጫውነቶም ምጕላሕ ግን ኣገዳሲ ይመስለና።

እገዳ ናህሪ ዝውስኸሎም እንተኾይኑ ደኣ ስለምንታይ ክዅንኑዎ ኣፎም ደም ይወጽእ ኣሎ? ስለምንታይ ከ ኣብ ጀኔቫን ኒው ዮርክስ ሰላማዊ ሰልፊ ይጽውዑ ኣለዉ?

ግደ ሓቅስ፡ እገዳ ባይቶ ጸጥታ፡ ካብቲ ባይቶ ጸጥታ ይኹን ካልእ ተዓዛቢ ዝተጸበዮ መጠን ንላዕሊ ሕሉፍ ጭንቀት ፈጢሩሎም፡ ድሂሉዎም ከምዘሎ ኢና ክንግንዘብ እንኽእል።

ኳደረታት ህግደፍ፡ ነዚ ጭንቀት ዘንቀሎ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተኦም፡  እንተቐዶ ቐዶ እንተዘይቀዶ ሕንጣጦ ብዝዓይነቱ ኣካይዳ እዮም ተተሓሒዞሞ ዝርከቡ። እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ነቲ ናብ ላዕለዎት ሓለቓታት ህግደፍን መጋበርያታቶምን ዘነጻጸረ እገዳ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ሓፈሻዊ መቕጻዕቲ  ኣምሲልካ፡ ነቲ ብኹሉ ተግባራቶም ኣስካሕኪሑ ፎእ ኢሉ ዝነጸጎም  ዘሎ ህዝቢ፡ ‘ክትጠፍእ ኢኻ፡ ክትሓቅቕ ኢኻ፡ ዓለም ክትውሕጠካ እያ’እናበሉ ዓቕሉ ኣጻቢቦም፡ ከይፈተወ ከምዝድግፎም ንምግባር፡ ብኡ ኣቢሎም፡ ነቲ ነቀይቀይ ዝብሎም ዘሎ ስልጣን ንምዕቃብ እዩ። ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይጨባ ዝብሉዎ ከምዚ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ 18 ዓመታት ዝሃቦም ምሉእን ዝተፈራረቐን ዕድል ሰኺሮምሉ፡ ሓሺሾሞ፡ ኣባኺኖሞ፡ ብስራሕን ብግብርን ፈሺሎም ንሃገር ኣብ ደንደስ ውድቀት፡ ንዝህቢ ኣብ ደልሃመት ሸሚሞሞ ክንሶም፡ ሕጂ በቲ ንፍሽለቶም ብዝያዳ ዘጕልሐ እገዳ ኣቢሎም ቀደም ንዝተደርበየ ተቐባልነቶም ካብ ናይ ጓሓፍ ዘምቢል ኣልዒሎም ዳግም ከሐድሱዎ ክሕለኑ ከለዉ፡ ማይ እዮም ዝሓቝኑ ዘለዉ።

ሸማምንቲ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ መሻርኽቲ ሕልሙ መሲሉዎ፡ ደምን ውላድን ዘዐንገሎም፡ ደሓር ግን ሕልሚ ህግደፍ ስስዐ ስልጣን ምዃኑ ተጋሂዱሉ፡ ብእምነቱ ከምእተጠቕዐ ተረዲኡ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ፈኵስ ትልሚ ምህቃኖም፡ ኣብቲ ጥሉም ህዝቢ ሓዲሩ ብዛዕባ ዘሎ ምረት ዘለዎም መረዳእታ ማዕሪኡ ሰንኮፍ ምዃኑ ዝእምት እዩ። ልቢ ህዝቢ እዩ ሰፈርና እናበሉ ክምድሩ ዘይሓፍሩ ‘ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ጽፍሪ ህዝቢ ከምዘለዉ፡ መስደድ ጽፍሪ ኣብ ዝረኽበሉ ግዜ፡ ህዝቢ፡ ጸሪቡ ክሰዶም ተቐሪቡ ከምዘሎ ‘ውን ዝተገንዘቡ ኣይመስሉን። ከመይ ደኣ፡ እቲ ሃገር ለቒቑ ፈቐዶ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ፡ ካብ ስደቱ ውድቀቶም ከምዝቐለል ኣብ ዝፈልጠሉ ሰዓት፡ ንስጉምቲ ድሕር ከምዘይብል ርዱእ እዩ። እታ ህሞት እቲኣ ግን ቀሪባ ‘ኳ እንተላ፡ ባዕላ ዱብ ክትብል ኣይኮነትን። ሓገዝ ናይቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ የድልያ ‘ሎ።  

ካብ ሓፈሻዊ ዘረባ ወጺእና ብጭቡጥን ግብራውን መንገዲ ንምልዓል፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ደላዪ ለውጢ ዝኾነ ብዓል ሕልና ኤርትራዊ፡ ብዝያዳ ከኣ ተቓወምቲ ሓይልታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ንምንቅስቓስ ዝሓሸ ናጽነት ከምዘለዎም መጠን፡ ዕድመ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምሕጻር ዓመጽ ህዝቢ ንምውዳእን ፍትሒ ንምንጋስን ንነፍሲወከፍ ዕድል ክጥቀሙሉ ከምዝግባእ መዘኻኸሪ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ብግብሪ ክርአ ኸሎ ግን፡ ነዚ ብባይቶ ጸጥታ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ከም ሓደ ውሻል-ዕድል ንለውጢ እንተተመልኪትናዮ፡ ንሳቶም ዕድመ ዲክታተርነት ንምሕጻር ካብ ዘርእዩዎ ዘለዉ ተጠቃምነት፡ ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምዝመዛ ክዓቢ ይርአ ኣሎ።  

ኣብዚ እዋን’ዚ እምብኣር፡ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ውዱባት ተቓወምቲ ይኹኑ ብሕተ-ተቓወምቲ፡ ነዚ ናይ ሞትን ሕየተን ፈንጠንጠር ህግደፍ ከበርዕኑ ክዕጠቑሉ ይግባእ።

ከም ናይ ሓጺር ግዜ መደብ ንኣብነት፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ደጊፈን ዝሰርሓ ማዕከናት ዜና ይኹኑ ጸሓፍቲ ውልቀሰባት ነቲ ኣብ ሰበስልጣን ህግደፍን መጋበርያታቱን ዘነጻጸረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምቲ ህግደፍ ህዝቢ ንምትላል ዝፍትኖ ዘሎ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ከምዘይኮነ ንህዝቢ ከረድኡ ይግባእ።

ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ‘ውን ከምኡ፡ ኣብቲ ውሳኔ ዘለዎም መርገጺ ኣብ ልዕሊ ምእዋጅ፡ ከመይ ኢሉ ኣብ ረብሓ ለውጢ ክውዕል ከምዝኽእል መብርሂ ክህቡን ኣባላቶምን ህዝብን ከበራብሩን፡ ናብቶም እገዳ ዝቐየሱን ዘጽደቑን ‘ውን ናይ ድጋፍ ደብዳበታት ክጽሕፉ ኣለዎም።

ብቐንዱ ግን፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ግዱሳትን፡ ልክዕ ከምቲ ህግደፍ ኣብ ጀኔብን ኒውዮርክን ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ንምቅዋም ን22 ለካቲት ወዲቡዎ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ሓደ ዕለትን ሰዓትን ቦታን ተመሳሳሊ እገዳ ናይ ምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ይግባእ።

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ዓቢ ነጥቢ፡ እቶም እገዳ ንምቅዋም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ደገፍቲ ናይቶም ደም ህዝቢ ዝመጽዩ ዘለዉ ዒላማ ናይቲ እገዳ ዝኾኑ ሰበስልጣን፡ ከምኡ ‘ውን ደገፍቲ ዓመጽን ወጽዓን ህዝቢ ምዃኖም እዩ። ካብ ኩሉ ዝገርምን ዘሕፍርን፡ እቶም ኣምሳያ ውልቀመለኽቲ ተሰለፍ ተኣንጎት ዝብሉ ዘለዉ፡ ንሳቶም ኣብ ስደት ዝረኸቡዎ ናጽነት ህዝቦም ኣብ ሃገሩ ክረኽቦ ዘይምነዩ ተበለጽቲ ምዃኖም እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ በንጻሩ እቶም እገዳ ዝድግፉ ሰልፈኛታት ነቲ ድምጹ ከየስምዕ ተኾኒኑ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብድምጾም ክውክሉዎ ከለዉ ሞራላዊ ልዕልና ከምዘለዎም ተገንዚቦም ክዕጠቑሉ ሓላፍነት ኣለዎም። ነቶም ህግደፍ ብመንገዲ እቲ ባዕሉ ዝወደቦ ሰላማዊ ሰልፊ መልእኽቲ ከመሓላልፈሎም ዝደሊ ዘሎ ኣህጉራውያን ኣካላት ከኣ፡ ደብዳቢኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ሓቂታት እዚ ‘ውን ክበርሃሎም።

ቃል ኣሰና

24.01.2010


 

Make a Pledge - Make a Difference

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65