ማርያም ደዓሪት ተማዕዱ’ላ
Thursday, 04 February 2010 00:11
እንታይ'ከ ዝን ዘየብል ኣለኒ ?
ዝወለድክዎ ሓመድ በሊዕዎ
ዝዘራእክዎ ውሒጅ ወሲድዎ
ዝተለምክዎ ሓያል መንዚዕዎ
ኣዳራሸይ ቍንጪ-ትዃን ሰፊርዎ
ማዓናጦይ ብጓሂ ተኾምቲሩ
ዓይነ-ብርከይ ተኻኢሉ ተዋጢሩ
ትዕግስተይ ተጸንቂቑ ኣማሪሩ
ሓዘን ውላደይ ይሓይከኒ ሓሓዲሩ
ኣንቱም ኣቦ.........
እንታይ'ሞ ክንገብር ዝወረደና
ንሱ ዀይኑ መብጻዓ ናጽነትና
ንሱ ኰይኑ ዕጫና ብጺሒትና
ልቢ ወላዲ ክሓዝን ክረግመና
እወ'ዚ ወደይ.....
ሓያል ኣይትርከብ ኣብ ንእድኻ
ዘጓዕቲየልካ ዝዋራዘ ኣብ ማእስኻ
ዝቕንጥጠካ ነጸላኻ ኮቦርታኻ
ዝዝርፈካ ዝወርሰካ ሰበይትኻ
ብደውካ ዝቐትለካ ዝቐብረካ
ብህይወትካ ትሕቲ ምድሪ ዘስፍረካ
እንከለኻ ተስካር ውላድካ ዘብለዓካ
ፈጣሪ ዓለም ኣየርእየና ኣየርእይኻ
እዚ ወደይ.....
ጠሚና እንተበልናዮም የላግጹ
ዓሪቕና እንተበልናዮም የላግጹ
እንተ ንሳቶም ይሕምብጡ የጋይጹ
ከም መበለት የቃይሑ የማርጹ
እንተ እቲ ወላዲ የድንን ርእሱ
ኣብ እርጋኑ ናብ ህጻን ተመሊሱ
እንተ ንሳቶም ይዋጥዩ የቋሽሹ
ደም ይሰትዩ ኣዕጽምቲ ይትርኣሱ
ደሓን ኣይትንብዑ ኣቦ------!
እታ ጸሓዮም ትወርድ ኣላ
እታ መዓልቶም ተጠኒሳ ኣላ
ማርያም ዳዓሪት ተማዕዱ'ላ
መዓልታ ትጽብጽብ ኣንቆልቍላ
=================
የርህዎ ኣምላኽ/ጥሪ 2010