Eritrean News - assenna

    Banner
Thursday
Jul 29th
Home ትግርኛ ናዕታ ዕድለኛ ‘ዩ ተመስገን !

ዕድለኛ ‘ዩ ተመስገን !

Print PDF

ኣንቱም ሰባት፡
ካብ ምንባር ኣብ‘ዚ ኸዳዕ ዘበን
ዘየጽንዕ ኪዳን ዘየኽድን ሓበን
እንተንሓልፍ ምስ ተመስገን
እምበር ዶ ኣይምሓሸን?

ኣቤት ‘ወ!
ምደሓንና ካብ ንብዓትን ቃንዛን
ምርቓ ምበር መርገም ኣይነበረን
ኣብ’ዚ ጠላም ዘበን
መስዋእቲ’ዩ በለጽ ‘ቲ ህይወት ኣይኮነን!

ዕድለኛ ‘ዩ ተመስገን !

ከይርኢ ከይሰምዕ ኣብ እዋን ፈተነ
ዓይኑ ዝዓመተ እዝኑ ዝጸመመ
መልሓስ ሰብ ክቕየር ኣፉ ዝለጎመ፡
መብጽዕኡ ክጥለም ክታም ዘይመጠወ
ኢዱ ዝኣርነበ መትከሉ ክልወ
ልቡ ዝዓቀበ ልቢ ሰብ ክጥወ
ዓለም ዝቐየረ ሞት ህሉው ክእወ፡
ዕድለኛ’ዩ ተመስገን ዝሓለፈ ቐዲሙ
ኣምላኽ ዘይንዕኡ ንመን ‘ሞ ሸይሙ!

ናጽነት መዓት
ሽመት ሻሞጥ
ተጋዳላይ ሃላይ
ውፉይ ጉሁይ
ግዕዙይ ምርኡይ
ለባም በሃም
ሰላም ሰራም
በለጽ ገጽ-ንገጽ
ዓመጽ ብግሉጽ
ሓቂ መንቂ
ጽድቂ ብብቂ
ኮይኑ፡

ሓድጉን ባሊግኡን ኣብ ዶብ ክጭመቱ
ብዝሓደጎ ጠበንጃ ብየእዳው ብጾቱ
ኣጻምእ ከምክኾም ባሕሪ ክወሓጡ
ምንባር ኣጊሙዎም መሬት ተገልቢጡ
ምስክር ዘይኮነ ኩሉ ኣብ ምልዋጡ
ምስ እምነት ምማቱ ጥልመት ዘይምፍላጡ
ዕድለኛ’ዩ ተመስገን ካብ ሓጥያት ኣምሊጡ።

ኣምሳያ ልውሃቱ ሞሳኣ ስኢና
ጸባ ከይጠዓመት ዘኽታም ምራኽ ኮይና
ዕድመ ብጹሕ ሰብኣይ ከምዘይተጸበየት
ሃረምረም ክትብል ካልኣይ ናጽነት
ዕንቋዕ ኣይርእያ ነዲኡ
በጃኣ መሲሉዎ ‘ምበር ንሳ ‘ባ ‘ያ በጃኡ፡
ዕድለኛ’ዩ ተመስገን ዘየርከቦ ከክፉኡ
መስዋእቲ ጸጋ ኸሎ ትንፋሱ ሓቢኡ!

በጃኺ ደኣ ሃገረይ ንዓኺ ገደደ
ኣይሞት ኣይህላወ ምርጫኺ ሓደ
ህሉው መብከይኺ መናፈቕ ዝኸደ
ካብ ከርስኺ ኮይኑ ‘ቲ ለባም ‘ቲ ዕደ።

ኣንቱም ሰባት ናትና ዘይንገብር
ብስሙ ንድሀ ብስሙ ንመክር
ብስሙ ንገጥም ብስሙ ንዝምር
መታን ክጥዕመልና ዲና ምኽኒትና ክምቅር
ወይስ ከይንቃላዕ ሕመቕና ክንሰተር
እምብዛ ንንብዓሉ ኣውያትና ነምርር
ስንፍናና ኸሎ ብደውካ ዝቐብር።

ስብሒ-ሕመቕና ‘ሞ ንመነና ጠቒሙ
ይቐትለና ‘ንሆ ድርብ ሽቶል ኮይኑ፡
ሓደ እንተርሓቐ ናብ ስደት ቀዲሙ
እንሆ እንዶ ሓደስ ካብ ማእከል ሃዲሙ
ኣስመራ ገዲፉ ባጽዕ ተኾዲሙ፡
ሓደ እንተሃጠመ ኢዱ ተመቝሑ
ሓደስ መዓስ ተፈቲሑ ብነጻ ከስተርሑ
እንሆ ‘ንዶ ተኣሲሩ ዋርድያ ኣብዚሑ!

ዕድለኛ ’ዩ ተመስገን !
‘ህይወት’ ዘይረኣየ መጕሃይ መሳቱኡ
መስዋእቲ ጸጋ ኸሎ ትንፋሱ ሓቢኡ፡
ዕንቋዕ ‘ባ ኣይርእያ ሕያወይቲ ‘ዲኡ
በጃኣ መሲሉዎ ‘ምበር ንሳ ‘ባ ‘ያ በጅኡ
ምሩቕ’ዩ ተመስገን ጽድቂ ኮይኑ ግቡኡ!

ቅቡእ ‘ዩ ታሪኹ ሓጥያትና ዘይልከ
ቅዱስ ‘ዩ መንፈሱ ኣቢስና ዘይትንከ
ንሱስ ጽቡቕ ኣሎ ብሰብ ነይተመልከ
ኣብ ክንዲ ብተመስገን ብነብስና ንብከ!

ኣንቱም ሰባት፡
ካብ ምንባር ኣብ‘ዚ ኸዳዕ ዘበን
ዘየጽንዕ ኪዳን ዘየኽድን ሓበን
እንተንሓልፍ ምስ ተመስገን
እምበር ዶ ኣይምሓሸን?

ኣቤት ‘ወ!
ምደሓንና ካብ ንብዓትን ቃንዛን
ምርቓ ምበር መርገም ኣይነበረን
ኣብ’ዚ ጠላም ዘበን
መስዋእቲ’ዩ በለጽ ‘ቲ ህይወት ኣይኮነን!


02.04.2007

ኣማኑኤል ኢያሱ

 

Al Shabab attacks rock Uganda

Eritrea Accused of Prisoner Abuse - Al Jazeer

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 19 31
Sweden 50 4 46
Germany 50 2 48
  Norway
30 16 14
  Italy
30 3 27
Netherlands 30 1 29
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 1 29
  Australia
30 14 16
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 23 52
USA-WC
75 10 65
USA-Minnesota 100 10 90