ሃገረይ፡ ናጽነት ግን መጀመርያ ምበር መወዳእታ ናይ ሃገር ኣይኮነን። ትርጉም ናጽነት ምስ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ደምን ስጋን ወሲኹ ዝሓድር በዳሂ ኣምር እዩ። ብግብራውነት መብጽዓን እምነትን ናይዞም ሞባእ ነጻነት ዝኾኑ ጀጋኑ ሰማእታት ስለዝልካዕ ከኣ‘ዩ ኣመና ዝኸብድ። ቃል እምነቶም ብጽኑዕ ክሕሎ ኣለዎ።
ሃገረይ፡ ካብ ሸውዓተ ማዓሙቕ ወጺእኪ ጋማን ክብረትን ዝለበስክላ ዕለተ-ነጻነት 24 ግንቦት፡ ሎሚ ከም ትማሊ፡ ጽባሕ ከም ሎሚ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕኪ እታ ዝኸበረት ዕለት እያ። እቲ መምዘኒ ዕንጸይቲ ወይ ሓጺን እንተኾነ፡ እቲ መዛኒ እንተነወሐ ወይ እንተሓጸረ፡ መምዘንን መዛንን ዓሰርተ ግዜ እንተተለዋወጡ፡ ኣምር ነጻነትኪ ኩሉ ሳዕ ረዛን ወርቂ ሚዛን እያ።
እንተኾነ፡ ግዜ ዘይቅይሮ ነገር ስለዘየልቦ፡ ግዳዩ መታን ከይትኾኒ፡ ህዝብኺ ንግዜ ተቖጻጺሩ ነዛ መተካእታ ዘይብላ ጸጋ ነባሪት ክገብራ ሓግዝዮ። ነታ ዓመት ዓመት ሓሓሊፋ እትጸንሕ 24 ግንቦት፡ ማሕለኻ በዚሑ እንተሰነፍኪ ማዕረማዕሪኣ፡ መገድኺ ጠጢሑ እንተነፋዕኪ ድማ ቀቅድሚኣ ሰጕምኪ ጽንሕያ‘ሞ፡ ዘይጎድል ክብርን ርዝነትን፡ እናሓደረ ዝሕደስ ተስፋን ሓበንን ከሙቐኪ እዩ።
ሃገረይ፡ ህዝብኺ ከምመግለጺ ክብሪ ‘ዛ ዕለት ዘዘውትሮም፡ መትንታተይ ዝትንክፉ፡ ነናሻዕ ዝናፍቖምን ከይሞልቁ ዝበቆምን መሰጥቲ ምልክታት ኣለዉ። ከምመብጽዓ እምነት ኣቦሓጎታተን ንዝተረከባኦ ዓመታዊ ዝኽርን ድግስን ምስ ውራይ ነጻነትኪ ዘሰማምዐኦ ስድራቤታት፡ ኣፍ ዘየጽረዩ ህጻናት ሓመድኪ ጻሕቲሮም ብኣዛሒት ኣብ መሬትኪ ዝወቕሩዎ ምስልኽን ሽምክን፡ ቁኖ ናጽነት ዘው ኣቢለን ስልማት ወርቀን ንፍሕሽው ገጸን እናኾለዖ ዙርያን መቕንዓትን ለቢሰን ሸነን ዝብላ ኣዴታት፡ ሱፍን ባህላዊ ልብስን ወድዮም ኣብቲ ሓባራዊ ዳስ ምሳሕ ናጽነት ዝእንገዱን ዘሳስዩን ኣቦታት፡ ዘዝርካቦም መዚዞም ንዕለት ነጻነትኪ ከም መዓልቲ ደስታ ዝመረጹዋ መሓዙትን ኣዕሩኽን፡ መዓልቲ ቆጸራኦም ናብ 24 ግንቦት ዘሰጋግሩዎ ፍቑራት፡ ኩሉ ህዝብኺ ብሓባር፡ ካብ ህጻን ክሳብ ሽማግለ ትርግታ ልቦም ኣብ መኣዛኺ ተሰማሚዑ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክሕጎሱ፡ ንምሸቱ ናብቲ መድረኽ ጽምብል ቅርዓት ናጽነት ሓቢሮም ክውሕዙ ይረኣየኒ‘ሞ ባህ ይብለኒ።
እወ፡ ኣብቲ ቅርዓት ነጻነት፡ ኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ብዜማ ናጽነት ከም ዕምበባ ክወዛወዝ፡ ልዕሊ ኹሉ፡ ኣብታ ፍልይቲ ካልኢት ፍርቂ-ለይቲ፡ ንኹሉ ድምጽን ዋዕዋዕታን ውሒጡ፡ ናብ ሰማይ ዝውርወር ገምበልን ርሺን ብስራት ናጽነት ከቃልሕ፡ ብደገ ኣዒንቲ ኹልና ናብ ሰማይ ቀኒዑ ዝወቀበን ዝደመቐን ሕብሪ መመሪጹ፡ “ እዚ‘ዩ መልክዕ ኤርትራ!”፡ ነቲ ዝበረኸ ርሕቀት ብዓይኑ እናማዕደወ ከኣ “ኣብቲ ክትበጽሕ‘ያ ኤርትራ” እናበለ ብሓበንን ተስፋን ናብ ጥርዚ ነጻነት ክመጣጠር፡ ተሓቛቝፉ ነንሕድሕዱ ክሰዓዓም ይረኣየኒ። ብውሽጢ ድማ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ተመስጦ፡ ዋጋን ትርጉምን፡ ህላወን መጻእን ናጽነት ከነጻጽር፡ ልብና ሸበድበድ ክብል ይዝከረኒ።
ከመይ ደኣ ሃገረይ፡ ብዘይ ዋጋ፡ እዚ ቦኽሪ ዓወት‘ዚ ኣምበይምተረጋገጸን። ተጋዳላይ፡ ነብሱ ረሲዑ እንተዘይዝክረኪ፡ መርዓን ደስደስን ሓዲጉ ላህመት ንእስነቱ ንመከራን ገድልን እንተዘይምንኖ፡ ግንባሩ ቀሊዑ ናብ ጥይት ኣባይ እንተዘይጠንን፡ እንተተወግአ ንኽስዋእ ካብ ቃሬዛኡ እንተዘይግልገል፡ እንተተሰውአ ኸኣ ክጸድቕ ዘይኮነስ መሊሱ ክብጀወልኪ ዳግማይ ልደት እንተዘይብህግ፡ ለበዋ ኣፍ ሞቱ “ዓወት ንሓፋሽ” ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ትንፋሱ ነጻነትኪ እንተዘይምነ፡ እዚ ክቡር ነጻነት‘ዚ ሽታ ማይ ምኾነ። ሃገረይ፡ ኣብቲ ሞትን ህይወትን ብደቓይቕ ዝውሰናሉ ምድርን ሰማይን ዘላገበ ጽንኩር ህሞት፡ ጠበንጃኦም ማዕረ ቁመቶም ብምዃኑ ከብደይ ዝበልዑዎ ትሕቲ ዕድመ መቓልስተይ፡ ተመሊሶም ንዓይ ይድንግጹለይ ነይሮም። ዘይወለዱ ክንሶም፡ “ ደቅና ካልኣይ ግዜ ጠበንጃ ከይስከሙ ኢና ንጋደል ዘለና!” ኢሎም ምእንቲ መጻኢ ወለዶ ብሓልዮት ክጭድሩ ይዝከረኒ። ወዲ መስርዖም ምዃነይ የሐብነኒ፡ መሪር ዝኽሮም ከሳቕየኒ ካብ ዝነብር ግን ቅድሚኦም ክስጣሕ እመርጽ ነይረ። እቐንኣሎም ነይረ፡ ንሳቶም ግን ፍጡር ዘይቅድሞ ሽኮ እግሪ፡ ናይ ጻድቃናት ንጹህ ልብን ሕልናን ነይሩዎም፡ ምእንታኺ ቀዲሞምኒ ሓሊፎም። እዚ ኣብ ልሙጽ ወረቐት ብንቡር ቀለምን ቃላትን ዘይዝንቶ፡ ኣሽንባይ ዶ ብሰማዒኡ ብዝወዓሎ ‘ኳ ዘይእመን፡ መድፍዕ ዘይሰበሮ፡ ቀመማዊ ጋዝ ዘይደሃሎ ዘይነጽፍ ሕልና ተጋዳላይ እዩ ናጽነት ኣምጺኡ ሃገረይ። ህዝብኺ ነቶም ልኡኻት ነጻነት፡ “ተሓቢንኩም የሐቢንኩምና!” እናበለ፡ ብመገዲ ‘ዛ ዕለት ልባዊ ምስጋና እንተብጽሓሎም፡ ዓጀባ እንተገበረሎም ግቡእ‘ዩ። እዚ ክብሪ‘ዚ ናትኪ እዩ! ኣብ ልቢ ኹሉ ኤርትራዊ ሓወልቲ ልቢ ኮይኑ ክነብር ዘለዎ ኽብሪ!
ሃገረይ፡ ናጽነት ግን መጀመርያ ምበር መወዳእታ ናይ ሃገር ኣይኮነን። ትርጉም ናጽነት ምስ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ደምን ስጋን ወሲኹ ዝሓድር በዳሂ ኣምር እዩ። ብግብራውነት መብጽዓን እምነትን ናይዞም ሞባእ ነጻነት ዝኾኑ ጀጋኑ ሰማእታት ስለዝልካዕ ከኣ‘ዩ ኣመና ዝኸብድ። ቃል እምነቶም ብጽኑዕ ክሕሎ ኣለዎ።
መብጽዓኦም፡ ንኹሎም ደቃ ብዘይፋላላይ እትሓቍፍን እትሕብሕብን፡ ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፈና፡ ዜጋታት ግቡኦም ኣበርኪቶም መሰሎም ዝሓቱላ፡ “ናትና” ኢሎም ዝሕበኑላ ሃገር ምትካል እዩ። መብጽዓኦም፡ ግዝኣተ-ሕግን ዲሞክራስን ዝተረጋገጸላ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝጠጥዓላ፡ ብዙሕ ነጻነታት እትወልድ ነጻነት ምዕንባብ እዩ። በብሉጹ ተመባጺዖም ናብ ትሕቲ መሬትኪ ዝተቐዳደሙ፡ መሰረት ስልጣኔን ምዕባለን ክኾኑ እምበር፡ ብዓንዳሪ መሓውር ክርገጹ ኣይነበረን። ንሳቶም፡ ኣዴታቶምን ጎራዙ ኣሕዋቶምን፡ ናብ ግንባር ኵናት ዳግማይ ብዝወፈሩን ናብ ስደት ብዝተበተኑን ደቀንን ኣሚነንን ብኻልኣይ ትጽቢት ክሻቐላ ፈጺሞም ኣይሓስቡዎን እዮም። ንሳቶም፡ ሓንሳብ ዝተሓጎሰ ልቢ ኤርትራ ተመሊሱ ክሓርርን ክጕህን ከቶ ኣይሓልሙዎን እዮም። ከምኡ እንተኾይኑ፡ እናዓለሉ ዝኣተዉዎ መቓብሮም ከእዊ እዩ።
ሃገረይ፡ እንሆ ግን እቲ ዘይተሓስበ ይኸውን፡ ናይ ደም ማሕላኦም ከይነቐጸ መብጽዓኦም ይፍተን። ካልእስ ይጽናሕ፡ ጠበናጁኦም ብመጻኢ ወለዶ ከይጽወራ ዝነበሮም ጽቡቕ ትምኒት ድሮ ሃሲሱስ፡ እቶም ሓድጊ ወለዶም ኮይኖም ንጨና ተሪፎም ዝነበሩ ዘኻትም ደቂ ስውኣት ‘ኳ ስዒቦሞም። ወረቐት ምስክር መስዋእቶም ዝቕበሎ ስድራቤት ስኢኑ ኣብ ከብሒ ቤት ጽሕፈታት ዕጹው ሰነድ ኮይኑ ተሪፉ። ከምዚ ዝበለ ትራጀዲ ክቀላቐል ከሎስ፡ እቲ መቓብር ናባኺ ኣንቃዕሪሩ ከእዊ ከይተጸበኺ፡ ናብቲ መቓብር ሓርበኛታት ደኒንኪ ደኣ “ይቕሬታ!” “ዓገብ!” በሊ ሃገረይ። ነቲ ፍረ ናጽነት ሓብሕብዮ፡ ትርጉሙ ረዚን‘ዩ።
ሃገረይ፡ ታሪኽኪ፡ ህላወኺ፡ ከምኡ ‘ውን መጻኢኺ፡ ዝተኣሳሰሩ ኣርእስታት ናይ ሓደ ብጹእ መጽሓፍ እዮም። ህላወኺ ብዘይታሪኽ፡ መጻኢኺ ድማ ብዘይ ታሪኽን ህላወኽን ክቖሙ ኣይክእሉን። በዚ ምኽንያት ከኣ‘ዩ እቲ መላግቦ ታሪኽክን መጻኢኽን ዝኾነ ህላወኺ ኣብ ልበይን ኣእምሮይን ተጸጊዑ ሕሹኽ እናበለ ኩሉ ሳዕ ሸቐልቀል ዘብለኒ።
ሃገረይ፡ ኣብዛ ዓመጸኛ ዓለም፡ ዝበዝሐ ግዜ፡ “ፍትሒ” ብቕንዕና ዘይትፍረድ፡ ሸተት ኢላ ሓቂ እንተጠመዐት ከኣ ብቕንዕና ዘይትፍጸም፡ መለኮታዊት ኣምር ኮይና ኣላ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ነዚ ከካብ ሕድሕዱ ዝመርር ክልተ በደላት ፈቲንክዮ ኢኺ። ትማሊ፡ ብኢትዮጵያ ክትወሓጢ ብሕጊ ዓሳ ንዝተበየነልኪ ዘይፍትሓዊ ብይን ብደምን መስዋእትን በዲህክዮ። ግን ንውሓት ግዜ ኣየሕቀቐቅን፡ ንዝውሓጠኪ ርሒብ ከብዱ ተርቢዕኪ፡ ነቲ ሃጻፍ ዓሳ ጃልባ ጌርክዮ፡ ኣብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣንሳፊፍኪ፡ መሰስ ኢልኪ ንፋስ ናጽነት ኣስተንፊስኪ፡ ባንዴራኺ ኣውለብሊባ!
ሎሚ ዓመጸኛ ወራር መኪትኪ፡ ሓቂ ኣብ መጋብኣያ ኣብ ዘፍረድክሉ ግዜ ድማ፡ ፈጽሚ ፍትሒ ሓርቢቱኪ “ኣይኵናት ኣይሰላም” ኣብ ዝብሉዎ ሰንፈላል ሃዋህው ትርከቢ ኣለኺ። ኪኖ ሓቂ ደሚኺ ኢኺ ሞ፡ ፍትሒ ብኣኺ እንተዘይጀመረት፡ ብኣኺ ክትውድእ ነይሩዋ። እንተኾነ፡ ሕጂ ‘ውን ሕማቕ ኣመላ ዘመንገወቶ ኣይትመስልን።
ሓደ ከይፈተኹ ክብሎ ዝደሊ ሓቂ ግን ኣሎ ሃገረይ። ደም ዝሰረበ ደበና ኣብ ልዕሌኺ የንጠጢ ኣሎ፡ ህላወኽን መጻኢኽን ሓደጋ ኣይተጋደፎን። እወ፡ ሕጹይ ዓወት ንምርካብ ዝካየድ ቃልሲ ሓላል እዩ። ፈቲነዮ እየ። ሽሕ ህይወት እንተወሰደ፡ ምሉእ ተስፋን ሞራልን፡ እምነትን ሓቦን ይጸሩዎ እዮም። ሓይሊ ሰብ፡ ንገርሂ፡ ኣብ ዳንግኡን ቅልጽሙን ‘ኳ ዝመስሎ እንተኾነ፡ ሓይሊ ሰብ ኣብ ሞራሉን መንፈሱን ከምዝርከብ ንመስተውዓሊ ኣይጠፍኦን እዩ። እዚ መንፈሳዊ ሓይሊ ኤርትራውያን ግን ተዓቂቡ ዶ ሃገረይ? ዝተጨበጠ ዓወት ካብ ኢድ ክሞልቕ ከሎ ካብ ቅዱም ስእነት ዝመረረ እዩ። ካብ ርኢኻ ምስኣን፡ ሰሚዕካ ምጽማም፡ ወሊድካ ምምካን ዝኸፍእ ነገር የልቦን። ነዚ ሓደጋ‘ዚ ንምውጋድ ብዘይ ወዓል ሕደር ዕቱብ ስጉምቲ ንውሰድ ‘የ ዝብል ዘለኹ። እዚ እዋናዊ ሕቶ‘ዚ እዩ ኣብ ልቢ ኩሉ ንጹህ ኤርትራዊ ዝርከብ ዘሎ።
ሃገረይ፡ እቶም ካብ ኣፍ ሞት ኣውጺኦም ህይወት ዝዘርኡልኪ ሰብ ቅያን ሰብ ብሉጽ ታሪኽን፡ ሕጂ ከመይ ኢሉ ህይወትኪ ምሕብሓብ ይእግሞም? ምውርራዱ ይሕርብተኒ ‘ሎ! መባእታዊ ጸገምኪ ኣብ መንጎ ተጻብኦ ኣባይን ምቅሕሓር ደቅኽን ብኽልተ ግንባራት ምቕርቃርኪ እዩ። ብሕልፊ እቲ ናይ ሓድነትን ሃገራዊ ዕርቅን መሪር ፈተነ ኮይኑ ኣብ ከብዲ ዓድኺ ተተኺሉ ዘሎ ግንባር ብቕጽበት ክፈርስ ኣለዎ። ንእሽቶን ሒደትን፡ ጀማሪትን ድኻን ስለዝኾንኪ፡ ጸጋኺ እቲ ሒደት-ርቡሕ ህዝብኺ እዩ። ትማሊ ዘምለሰኪ፡ ሕጂ ኸኣ ዘድሕነኪ ንሱ እዩ። ምእንቲ‘ዚ ህጹጽ ሃገራዊ ድሕነት፡ መራሕትኺ ናብ ልብኺ ቀሪቦም ሓቀኛ ድምጽኺ ክሰምዑዎ ይግባእ። መራሕቲ ናይዛ ብድርብ ተወፋይነትን መስዋእትን ደቃ እትልለ ሓላል ሃገር፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክቡ፡ ወይ ብድምጺ ህዝቢ ክጸድቀሎም፡ ሓንሳብ ንእሽቶ ትብዓትን ተወፋይነትን ምርኣይ ከመይ ከምዝጽግሞም ይድንጽወኒ እዩ። ሃገረይ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብቶም ብብልሖም ቅያታት ዝሰርሑ መራሕቲ፡ እቶም ኣብ ጥርዚ መንፍዓቶም ብወለንታ ስልጣን ዝለቀቑ እዮም ከምጀጋኑን ኣብነታውያንን ክዝከሩን ክኸብሩን ዝነብሩ ዘለዉ። እዞም ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣኽል-ታርፍ ታሪኽ ዘመዝገቡ መራሕትኺ ከኣ፡ ካብዚ ናይ ሕጂ ተራኦም ታሪኾም ሽሕ ግዜ ከምዝዓቢ ምኽሪ ኣይመድለዮምን‘ዩ። እንታይ ደኣ?
እወ፡ ከይወድቕካ ከይተንሳእካ ጽዋእ ዓወት ኣይዕተርን እዩ። እቲ ክቱር ድሌት ዓወት ካብቲ መሪር ስምዒት ናይ ውድቀት ስለ ዝምንጩ ግን ፈለማ ከምዝወደቕካ ምእማን የድሊ። ኣብ ንእስነትኪ ዝተፈጸመ ጌጋታት ልቦናኺ ንምዕባይ ከምዝተኸፍለ ዋጋ ተቐቢልኪ፡ ዝበለጸ መጻኢ ንምህናጽ ካልኣይ ጌጋ ካብ ምፍጻም እንተተማሂርክሉ ‘ውን ቁምነገር እዩ ነይሩ። እዚ ስጉምቲ‘ዚ ግን ዝድንጕ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ ሎ ሃገረይ። ካብ ዝሓለፍክዮ ጉዕዞ ኣብ ቅድሜኺ ተሰጢሑ ዘሎ ጎደና ይነውሕ፡ ብዕርቅን ይቕረ-ይቕረን እንደገና ህዝብኺ ጠርኒፍኪ፡ ብምሉእ እግርኺ ተጓዓዝዮ። ገስጋስኪ የሐድስዮ። ነዚ ምንጪ ሓበንክን ጸዋር ሕሰምክን ዝኾነ ህሉው ወለዶ ሰላምን ፍቕርን፡ ንመጻኢ ወለዶ ኸኣ ኣብ ክንዲ ዕዳ ታሪኽ መኽሰብ ናጽነት ኣጽንሕሉ ሃገረይ።
ኣማኑኤል ኢያሱ
19 ግንቦት 2004



