Eritrean News - assenna

    Banner
Thursday
Jul 29th
Home ትግርኛ ደብዳቤታት ናጽነት: ፍረ ብዙሓት ጻማ ውሑዳት

ናጽነት: ፍረ ብዙሓት ጻማ ውሑዳት

Print PDF

እቶም ንነብሶም ከም ፈጠርቲ ኤርትራ ዝርእዩዋ ውልቀመለኽቲ፡ ኣብ ነጻነት ካብ ዘፍረዩዎ ዘዕነዉዎ ስለዝበዝሐ 'ኣብ ጥርሙዝ ቴለቭዥን ብቕያን ታሪኽን ናይቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ክምልክዑ ሒዅ ይብሉ 'ኳ እንተለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ናይቲ ትማሊ ዘሐብን ታሪኽ፡ ካብዚ ናይ ሎም ዘሕንኽን ዘስገድግድን ተግባራቶም ዝነፊ ልቢ ኣለዎ።

24 ግንቦት፡ ዝኽሪ በዓል ነጻነት ኤርትራ ፡ ወፍሪ ናጽነት ኤርትራ ዝኣተወሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተሻምዩ ፍረ መስዋእቱ ዝሓፈሰሉ መዓልቲ'ዩ። ኣብዚ ወርቃዊ ዕለት ፡ ቅድሚ ኹሉ ክዝከሩ፡ ክውደሱን ክምስገኑን ዘለዎም እቶም ንነጻነት ካብ መቓብር ኣበራቢሮም ዘብረዩዋ፡ ኣብ ክንዳኣ ኣብ ማዕሙቕ ኣትዮም ጥርዚ ዝሰቐሉዋ ሰማእታትና እዮም።

ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ እቶም ባዕሎም ዝተሓርዩ መራሕቲ፡ ኣብ ክንዲ መራሕቲ መብጽዓ፡ መራሕቲ ወጽዓ ህዝቢ ኮይኖም ስለዝተረፉ፡ ከይፈተና፡ ኣብ ክንዲ ሽም ዋጋ ሓርነት፡ ሽም ዕዳ ሓርነት ክንጽውዕ ንግደድ 'ኳ እንተለና፡ ኣብ'ዛ ረዛን መዓልቲ ኪኖ 'ዞም በደልቲ ነጻነት ሰጊርና፡ ሰማእትትና ክንምርቕ፡ ኣኽብሮትና ንዓኣቶም ነባሪ ምዃኑ ክንገልጸሎም ግቡእ እዩ።

ሓርበኛታት ሰማእታትና፡ ንመብጽዓኦም ብደም ስለዝፈጸሙዎ፡ ድሕሪት ዝተረፉ ብጾቶም ካብኡ ዝንእስ ተወፋይነት ከይህሉዎም ኣይተጠራጠሩን። በዚ ኸኣ'ዮም፡ ንመስዋእቲ ካብ ምቕራብ ሓሊፎም ዝተቐዳደሙሉ። ንዓኣቶም፡ ናጽነት፡ እቲ መብጽዓ እዩ። ኣስተብህሎ መንፈሶም፡ ክሳብ ሕጂ፡ ሰብኣዊ መሰልን ሓርነትን፡ ራህዋን ጽጋብን፡ ሕግን ፍትሕን ዝሰፈና ናጽነት ኤርትራ እዩ ዝረኣዮ ዘሎ። እቶም ' ኣነ ክውፈ፡ ንስኻ ጽናሕ' ኢሎም ድሕሪኦም ዘትርፉዎም ሓለፍቲ መስርዖም ግን፡ ሕጂ ዓመጽቲ ተቐይሮም ህዝቢ ፎእ ኢሉዎም ከምዘሎ ገና ኣይፈለጡን። እንቋዕ ኣይፈለጡ፡ እዚ፡ ኣብ ገጽ መሬት ኤርትራ ዘሎ ቅልውላውን ሸገርገርን፡ ናብ መቓብሮም እንቋዕ ኣይልሓዄ። ዕድል ገይሮም። ንሳቶም ልዕሊ ኹሉ ቀሲኖም ክነብሩ ዘለዎም ንጹሃት እዮም። 'ሳላኹም' እምበር 'ብሰንክኹም፡ ዓይንኹም ትደፈን' ክብሎም ዝኽእል ከኣ ዋላ ሓደ 'ኳ የልቦን። እቲ በደል፡ ኣብዞም ውዕልን ማሕላን ስዉኣት ዝጠለሙ፡ ክብደት ጥልመቶም እናኸሓዱ፡ ብታሪኽ ስዉኣት ክነብሩ ዝሕልኑ ዘለዉ፡ ብኢዶም ዝተሸሙ መራሕቲ ጸይቂ እዩ ዘሎ።

እዚ ጥፍኣት'ዚ፡ ካብ ጸሓይ ስለዝደምቕ ክሓብኡዎ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ኸኣ'ዮም ንርእሶም ኣብ በዓቲ ታሪኽ ምሕባእ ዝቐለለ ኮይኑ ዝስምዖም። ነቲ ናይ ባይታ ክዉንነት ግን ብናይ ቴሌቭዥን ጽዉጽዋይ ክቕይሩዎ ኣይክእሉን እዮም።

ዋርሳይ-ይከኣሎ ወፍሪ ቁጠባዊ ሓርነት - ሓሶት!
ድኽነት፡ ጥምየት፡ ቁጠባዊ ድሕረት - ሓቂ!

ፍትሒ፡ ቅሳነት፡ ራህዋ፡ ሰላም - ሓሶት!
ዓመጽ፡ ቅልውላው፡ ወጥሪ፡ ኵናት ወረ ኵናት - ሓቂ!

ውልቀመላኽነት፡ ራዕድን ፍርሕን፡ ስደት - ሓቂ!

ናጽነት ፍረ ብዙሓት፡ ጻማ ውሑዳት፡ - ሓቂ!

እቲ ጸበባ ብዙሕ እቲ ራህዋ ግን ውሑድ'ዩ ሃገረይ።

መቓብር ሰማእታትና እንቋዕ ዓይንን እዝንን ኣይሃለዎ። እቶም ናጽነት ንሓዋሩ ንዝተመነየታ፡ ተስፋን ሓበንን መሊኣ ዝነበረት ሃገር ናብ'ዚ ዘውደቑዋ 'መራሕቲ'፡ ' ልቢ ህዝቢ'ዩ ሰፈርና ' እናበሉ ክድብሉ ከለዉ ብሕልፊ፡ እንቋዕ ዝሰምዑዎምን ዝርእዩዎምን ኣይኮኑ።

እቶም ንነብሶም ከም ፈጠርቲ ኤርትራ ዝርእዩዋ ውልቀመለኽቲ፡ ኣብ ነጻነት ካብ ዘፍረዩዎ ዘዕነዉዎ ስለዝበዝሐ 'ኣብ ጥርሙዝ ቴለቭዥን ብቕያን ታሪኽን ናይቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ክምልክዑ ሒዅ ይብሉ 'ኳ እንተለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ነቲ ናይቲ ትማሊ ዘሐብን ታሪኽ፡ ካብዚ ናይ ሎም ዘሕንኽን ዘስገድግድን ተግባራቶም ዝነፊ ልቢ ኣለዎ። በንጻሩ፡ ነቶም ንእስነቶምን ህይወቶምን ዝሸለሙዎ ሰማእታት፡ ምስቶም ሽልማት ነጻነቱ ዝቐንጠጡዎ ጠላማት 'መራሕቲ' ብሓደ ዘቐምጥ ከብሒ-ልቢ የብሉን።

ነቶም፡ መሰልን ሓርነትን ህዝቢ ዝገሃሱ፡ ሕሳስ ልደ ሓው ስዉእ ዝቐተሉ፡ ኣስከሬን ስውእ ውላድ ንዘይረኸበት ስድራቤት ክንዲ ሓውን ሓብትን ገንዘብ ዘዕድዩ፡ ነቶም መትሎ ስዉእ ኣደዳ ስደት ዝገበሩ፡ ሓድጊ ስዉኣት ዘየቕሰኑ፡ ንተስፋን ሓበንን ህዝቢ ኤርትራ ዘውደቑ ሰባት �ሞ ከመይ ኢሉ፡ ምስዞም ብጹኣት ከስፍሮም።

እዞም ግዜ ዝሰዓሮም ናይ ታሪኽ ስሱዓት፡ ' ንሕና ብጾት ናይዚኣቶም ኢና ኔርና ' እናበሉ ትንፋስ ስዉኣት ሰሪቖም ዕድመ ክረኽቡ ይህቅኑ እተልዮም፡ ተጋግዮም �ዮም። በንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ' ብሓቂ፡ ምስዞም ጀጋኑ እዚኣቶም ኔርኩም፡ ክንደይ ደኣ ጨኪንኩም ደቀይ� ኢሉ ብኽብደት ጥልመት መብጽዓኦም መሊሱ ክኽዕቦምን ክኹንኖምን፡ ደኣምበር ክሓቝፎምን ክሕብሕቦምን ኣይኮነን። ነቶም ህይወቶም ምእንቲ 'ዚ ሰናይ መብጽዓ ስለዘኽተመ ብህያውነቶም ጸወርቲ መብጽዓ ክኾኑ ዘይከኣሉ ጀጋኑ፡ መብጽዓኦም ምትግባር እምበር ስሞም እናልዓልካ ምውርዛይ ህያውነት ኣይህቦምን እዩ። ሽልማቶምን ህያውነቶምን ንመብጽዓኦም ከምዘለዎ ካብ ምትግባር ጥራይ እዩ ዝርከብ። እቶም ህሉዋት ንስጋዊ ህላወኦም መሳርሒ ጥልመት መብጽዓ ናይቶም መናናት ምግባሮም ከኣ መዳርግቲ ዘይብሉ ገበን እዩ።

ሃገረይ፡ ኣብዛ ክብርቲ ዕለተ ነጻነት ግን፡ ህዝቢ ንስዉኣት ካብ ምኽባርን ምውዳስን ንበደልቲ ካብ ምኽሳስን ምምራርን ሓሊፉ፡ ሓላፍነት ክስከም ኣለዎ። ንናጽነት ክዉን ዝገበረ፡ ድሌቱን ተወፋይነቱን እምበር፡ ካልእ ተኣምር ወይ ከኣ በርቃዊ ልኡኽ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንነጻነት ክብል፡ ህይወቱን ደቁን፡ ገንዘቡን ንዋቱን ብዘይቃልዓለም ኣበርኪቱ እዩ። ሕጂ ድማ ነጻነቱ ሓቀኛ ነጻነት ክኸውን ቃልዓለም ክገብር የብሉን።

ኣብ ዘበን ናጽነት፡ ደቁ ተመንዚዑ ገለ ክኽርትቱን ገለ ገንሸል ክኾኑን ከለዉ፡ ብኣፍ ጾሙ እናደቀሰ ከሎ፡ ብፍርሕን ራዕድን ተሸቝሪሩ እናሓደረ፡ 'ብጩቕ ከይትብል፡ ኣብ ዘቐመጥናካ ጽናሕ፡ ዝሃብናካ ብላዕ፡ ብዘይዓስቢ ስራሕ፡ እንብለካ 'ምበር ትብለና የብልካን፡ ጣኦትካ ኢና፡ ንቐትለካ ንምሕረካ፡ ነድረረካ ነጥምየካ ' ተባሂሉ ከም ህጻን እናተገንሐ ከሎ፡ ኣብ 24 ግንቦት ነዚ ሓድሽ ዝሕብሩ 'ናጽነት' 'ዚ 'ኣድንቆ፡ ኣጣቕዓሉ፡ ሳዕስዓሉ' ክበሃል ከሎ፡ ኢዱ ከጣቕዓሉ ዘይኮነ ክጸፍዓሉ እዩ ጥራይ 'ዩ ዘለዎ።

'እቲ ኣነ ዝብህጎ ነጻነት፡ እቲ ደቂ ማህጸነይ ዝተማባጽዑለይ ናጽነት እዚ ኣይኮነን። እዚ መግዛእቲ እዩ' ክብሎም ኣለዎ።

ሃገረይ፡ ናጽነት ፍረ ሓፋሽ ካብ ኮነ፡ ጻማ ነጻነት ንሓፋሽ ክኸውን ኣለዎ። እቶም ንማንም ፍጡር ክርድኦ ብዘይክእል ቋንቋ፡ ንማእሰርቲ ነጻነት፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰል ነጻነት፡ ንስደት ነጻነት፡ ንዓመጽ ነጻነት ክብሉዎ ዘይሓንኩ ሰባት ግን፡ ናጽነት ብዝደለኻዮ ቋንቋ ዝግለጽ ኣምር ከምዘይኮነ ከፍለጦም ይግባእ። ናጽነት፡ ስም ገዛኢ ምቕያር ዘይኮነ ንተግባራት መግዛእቲ ምሕካኽ እዩ። ናጽነት ማለት፡ ፍትሒ ፍርዲ ግዝኣተ ሕጊ፡ ሓርነት፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ማሕበራዊ ፍትሒ እዩ። እቶም ስዉኣት ነጻነት ዝተዛረቡዎ ቋንቋ ናጽነት ንሱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ሓቀኛ ነጻነት'ዚ 'ዩ ስጋ ከልብሶ ዘለዎ።

ርሑስ መበል ብዓል ነጻነት!

ኣማኑኤል ኢያሱ
18.05.06

 

Al Shabab attacks rock Uganda

Eritrea Accused of Prisoner Abuse - Al Jazeer

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 19 31
Sweden 50 4 46
Germany 50 2 48
  Norway
30 16 14
  Italy
30 3 27
Netherlands 30 1 29
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 1 29
  Australia
30 14 16
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 23 52
USA-WC
75 10 65
USA-Minnesota 100 10 90