Eritrean News - assenna

    Banner
Thursday
Jul 29th
Home ትግርኛ ህይወት ክወግሕ'ዩ!

ክወግሕ'ዩ!

Print PDF

ክወግሕ'ዩ ቀደድ ክብል ሓቂ
ክዅላዕ ከም ወርቂ
ክንርእየሉ ዕንቍ።

ኣንታ ክወግሕ 'ዩ!

ክወግሕ'ዩ ቀደድ ክብል ሓቂ
ክዅላዕ ከም ወርቂ
ክንርእየሉ ዕንቍ።

ኣንታ ክወግሕ 'ዩ!

ክገሃደልና 'ዩ
መን'ዩ ኣድጊ መን'ዩ ጠይቂ
መን'ዩ ኣብዲ መን'ዩ ጸይቂ
መን ኣማኒ መን ጠላም
መን ብርሃን መን ጸላም።

ክወግሕ 'ኮ እዩ ከም ትማሊ
ከይነብር ዶ ጸላም መታለሊ
ዘይ ከዳኽመና'ሉ ክፈላሊ
ዓሻ እንተረኸበ ዝሃደሞ ዕሊ
ንሽዓ ክጥቀም ዝብድል ብኸውሊ
ዘይወግሕ መሲሉዎ ሓሶት ዝኣራሪ።

እምበር ክወግሕ 'ዩ
ቀረባ 'ዩ ዕለቱ
ኮሜት ኣይኮነን መዋእል ዓመቱ
ኣይክነብርን'ዩ ንጹሃን ዓሚቱ።

ትማል ዶ ኣይነበረን ጸላም
ብድቕድቕ ጸላሙ ዘባህረረ ኣዳም፡
ንሱ 'ኳ ወጊሑ
ብጸሓይ ሓቂ ተገሊሁ
ርጉእ-ሓሶት ኣምኪኹ
ዓኾኳይ ዓኾዃይ ተባሂሉ
ብሰብን 'ዝግን ተባሪኹ።

ኣራዊት ታይ 'ልኩሞ ሰባት ዘይትኾኑ
ስጋ-ሰብ በሊዕኩም ህይወት ትፍትኑ
ኣብ ክንዲ ንህይወት ንሞት ትሕንሕኑ
ምእንቲ ጽሩራ ሰባት ትኹንኑ፥
ክንዲ 'ብ ልዕሊ መሬት ጎጆ ትድኩኑ
መቓብር ፍሒርኩም ጀጋኑ ትደፍኑ
ንሓጥያት ሓሪኹም ጽድቂ ትፍንፍኑ።

ኣቱም እትኣስሩ
ኣዳውኩም እሰሩ
ኣቱም እትቐትሉ
ነብስኹም ቅተሉ
ኣቱም ትዕዘቡ
ንሓቂ መስክሩ
ደም ኣይሰድድን 'ዩ ውዒሉ ሓዲሩ
ታሪኽ ኣይርስዕን 'ዩ ነዊሑ ሓጺሩ።

ኣንታ ክወግሕ 'ዩ
ክንረአአ ዓይኒ-ንዓይኒ
ክንሰማማዕ ኣፍ ንኣፍ ኣብ እዝኒ
ጠላም ምስ ኣማኒ
ነብዪ ምስ ወዲኒ፡

ክንረአአ 'ና ዓይኒ ንዓይኒ
ኣብ ጻሕ ዝበለ ጎልጎል
ሓቂ ምስ ደጕሐ ቀንዴል
ቀባሕባሕ ክኽውን 'ዩ
ፍትሒ ክደላደል።

ገለ ገጽ ክጽምሉ
ቀንጥዩዎ ግብሩ
ብነብሰ ኩነነ
ንነብሱ ኣማሪሩ
ፊቱ መስኪሩሉ
ብጣዕሳ ምሕራሩ።

ገለ ገጽ ፈገግ ኢሉ
ካብ በዳሊ መቕሉ
ተበዳሊ ምዃን
ንጽህና ኣምሒሩሉ
ሓቂ በሪሁሉ
ጸላም ውጊሑሉ፡
ክንርአአ ኢና ዓይኒ ንዓይኒ
ክወግሕ'ዩ መሬት በፍንጫ ብስኒ!

 

ኣማኑኤል ኢያሱ
07.10.05

 

Al Shabab attacks rock Uganda

Eritrea Accused of Prisoner Abuse - Al Jazeer

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 19 31
Sweden 50 4 46
Germany 50 2 48
  Norway
30 16 14
  Italy
30 3 27
Netherlands 30 1 29
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 1 29
  Australia
30 14 16
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 23 52
USA-WC
75 10 65
USA-Minnesota 100 10 90