ፓትርያርክ ህግደፍ ኣባ ዲዮስቁሮስ ኣብ መውዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ እንተ ኮይኑሎምውን ኣብ ኣመሪካ ዑደት ክገብሩ ብመንግሥቲ ህግደፍ ተኣዚዞም ኣለዉ;
ኣባ ዲዮስቆሮስ ብጉባኤ ቤተ ክርስትያናት ዝተኾነኑ፡ ስም ስላሴ ዝኸሓዱ፡ ካብ ንኣምላኽ ንዓለማዊ መንግስቲ ዝእዙዙ እዮም። እቶም ብምሉእ ህዝቢ ተመሪጾም፡ ስም ስላሴ ኣኽቢሮም፡ ንኣምላኽ እምበር ንሰብ ኣይሰግድን ዝበሉ ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ፡ ኣብ ርእሲ እዞም ብህግደፍ ዝተሾሙ ኣባ ዲዮስቁሮስ ረዚን ቃል ውግዘት ኣንቢሮም እዮም። ኣባ ዲዮስቁሮስ ግና ሕጊ ሃይማኖት ጥሒሶም: ውግዘት ረጊፆም፡ ስልጣን ስላሴ ክሒዶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደት ንበረኸት ዘይኮነ ንመርገም እዩ።
ከመይሲ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተወገዘ ሰብ፡ ፓትርያርክ እየ ኢሉ ክባርኽን ክቕድስን ኣይግባእን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክሕደት'ውን እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኣነ ፓትርያርክ እየ ኢሎም ምስተን ሃዋርያውያን ዝበሃላ ኣሓት ኦርቶዶክሳውያን ክቖርቡን ክሰግዱን: ክሳለሙን ከሳልሙን ኣይብቑዑን እዮም። ዋላውን ምስ ናይ ካቶሊክ ጉባኤ ኮፍ አሎም ከም ኣማኒ ክዛረቡ ስልጣንን ሓላፍነትን የብሎምን። ብጀካ ንሒደት ነቶም ብዛዕባ ሃይማኖቶም ሰፊሕ ርድኢት ዘይብሎም ኦርቶዶክሳውያንን ፖለቲከኛታት ህግደፍን ንካልእ ከደናግሩን ክባርኹን ኣይክእሉን እዮም።
ኣብ ውሽጢ ሃገርውን እንተኾኑ፡ ንገለ ከእስረካ እየ ንገለ ክሰጎካ እየ እንዳበልካ እንተዘይኮይኑ ሰብ ፈትዩ ዝቐርቦምን ዝስዕቦምን የለን። ብዙሓት ኣቕሽሽቲ "ዘተደመረ ምስለ ውጉዝ ውጉዝ ውእቱ" ምስ ውግዚ ዝተጸመረ ውጉዝ እዩ እንዳበሉ ካብ ከባቢኦም ክርሕቁን ክሃድሙን ይረኣዩ ኣለዉ።
ስለዚ ኣብ ኤውሮጳ ዝነብር ሕዝቢ ነዚ ጉዳይ ኣስተውዒሉ ክርእዮ: ሃይማኖቱ ካብ ውጉዝ ኣባ ዲዮስቆሮስ ክሕሉን ክከላኸልን ንሕብር።
ምእመናን ንኣባ ዲዮስቆሮስ ክሓትዎም ዝግባእ ውሑዳት ሕቶታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ፓትርያርክ ብሕይወት እንከሎ፡ ፓትርያርክ ኣይሽየምን ንዝብል ናይ ጉባኤ ኒቅያ ሕጊ ጥሒስኩም ስለምንታይ ፓትርያርክ ተሾምኩም?
ይትረፍ ብስም ስላሴ፡ ዝባን መንግስቲ፡ ዝባን ስውኣት እንተ ተባሂሉ ሰብ ነቲ ውግዘት ኣይጥሕሶን፡ ንስኩም ግና ንስም ሥላሴ ጥሒስኩም ተመሊስኩም ብኣፍኩም ስም ስላሴ ይኣምን ኢልኩም መስቀል ሒዝኩም ትከዱ ስለምንታይ?
ካብ ትሽየሙ ክሳብ ሕጂ ካብዘን ምስ ኣሕዋት ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያናት ዝኾነ ርክብ የብልኩምን ስለምንታይ?
ብሕጊ ሃይማኖት ሓደ ፓትርያርክ ብጳጳሳት ተኸሲሱ ብጳጳሳት ክፍረድ ኣይግባእን፡ ጉባኤ ኒቅያ 50 “ሓደ ፓትርያርክ ሃይማኖታዊ ገበን ስም ዝፍጽም፡ ካብ ኣሕዋቱ ፓትርያርክ ሓደ መጺኡ ገበን ምዃኑ ከየረጋገጸ ክወርድ ኣይክእልን ይብል? ስለምንታይ ደኣ ንስኻትኩም ብኢደ ወነንኩም ኣውሪድክሞም?
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት ሃዋርያዊት እያ፡ ካብ ክርስቶስ ናብ ሓዋርያት፡ ካብ ሓዋርያት ድማ ናብ ፓትርያርክ፡፡ ኤርትራ ድማ ሃዋርያዊ ሰንሰለታ ብቅዱስ ማርቆስ እያ፡ ፓትርያርክ ሽኖዳ መበል 117 ናይ ሓዋርያ ማርቆስ ክኾኑ ኮለዉ: ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ኣብዚ ሰንሰለት እዚ ሳልሳይ ናይ ሓዋርያ ማርቆስ ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ብሃዋርያዊ ሰንሰለት ይምእከሉ። ንስኹም ግና ካብ መንበር ማርቆስ ዝተነጸልኩም ኢኹም። በየናይ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ኢኹም ትምርሑ?
ፓትርያርክ ብሰለስተ ዓበይቲ ገበናት ማለት "ብቅትለት፡ ብዝሙት፡ ብክሕደት ሃይማኖት፡ ወይ ብኣእምሮ ምዝንጋዕ" ጉድለታት ምስ ተረኽቦ፡ ገበነኛ ወይ ሕሙም ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ፡ ብመርትዖ ምስ ተፈርደ ጥራይ ይወርድ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግና በዚ ኣይተረትዑን ኣይተፈርዱን። ብኸመይ ካብ መዓርጎም ኣውሪድኩሞም?
ነዞም ሕቶታት እዚኣቶምን ካልእን ፈፂሞም ብቑዕ መልሲ ክህብሉ ኣይክእሉን እዮም። ቅድሚ ሕጂውን ተሓቲቶም መልሲ ዘይረኸቡሉ ነገር እዩ።
ስለዚ: ኩሉ ኣማኒ ነዚ ሕጊ እዚ ጠቑሱ ግቡእ ሕቶታት ክሓትት ድኣ ይግባእ እምበር ብድፍኢት ፖለቲካ ተሰናቢዱ ሃይማኖቱ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይግባእን።
ኣምላኽ ሃይማኖትና ይሓሉ።
ደቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት


