ኣብቲ ካብ 12 ክሳብ ሎሚ 14 ታሕሳስ ኣብ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ “ብኽፍሊ ጸጥታ ዝቐረበለይ መጽናዕታዊ ሓበሬታ”፡ ኢሉ ዘቕረቦ ነቲ ተዋዓዊዑ ዘሎ ምልዕዓል ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ንካቢነ ሚኒስተራት ኣስደሚሙዎን ኣሰምቢዱዎን። እቲ ምልዕዓል ብጎነጽ ክፍታሕ ኢሳያስ ዝመረጾ መርገጺ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ግን እቲ ኣኼባ ኣብ ደገፍትን ተቓውምትን ተገማሚዑ፡ ይብሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኢሳያስ ኣብቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ “ ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ተቓውሞ ዘወሃህዱ ዘለዉ ውድባት ‘ጉጅለ 15’ ኮይኖም ኣብ ውሽጥና ኣለዉ። ኣብ ሰራዊት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሚኒስተራት ከይተረፈ ምውድዳባት ይረአ ኣሎ፡ ናይ ኣመሪካን ወያነን ኢድ ‘ውን ኣለዎ” ኢሉ ምስ ተዛረበ፡ ምድፍፋርን ጸርፍን ዝተራእየሉ ዓቢ ክትዕ ኣለዓዒሉ። ከምቲ ኢሳያስ ዘንቀዶ ኸኣ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ይኹን ሚኒስተራት ነንሕድሕዶም ዘይምትእምማንን ምጥርጣራትን ፈጢሩ።
ብፍላይ እቲ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ዘቕረቦ፡ እቲ ናይ ሰራዊት ምልዕዓል “ብጎነጽ ክፍታሕ የብሉን” ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ምስምማዕ ኣጥፊኡ፡ ናብ ደገፍትን ተቓወምትን ከምዝኸፋፈሎም እቶም ምንጭታት የረድኡ።
ኣብ መወዳእታ ኢሳያስ፡ ‘እቲ ዒላማ ኣነ ጥራይ ኣይኮንኩን’ ብዘስምዕ ቃና፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ይኹኑ ሚኒስተራት ኣብ ምንቅስቓሳቶም ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ኣጠንቂቑዎም።




