Eritrean News - assenna

    Banner
Thursday
Jul 29th
Home ትግርኛ ዜና ኣባ ድዮስቆሮስ ዝርከቦ ልኡኽ ኣብ ናይ ወጻኢ ዑደቱ ብኤርትራውያንን ኣህጉራውያን ወገናት ተነጺጉ።

ኣባ ድዮስቆሮስ ዝርከቦ ልኡኽ ኣብ ናይ ወጻኢ ዑደቱ ብኤርትራውያንን ኣህጉራውያን ወገናት ተነጺጉ።

Print PDF
‘መንግስቲ ኤርትራ’ ከም ኣመሓዳሪ ኣብ ስልጣን ዘቐመጦ ይፍታሄ ዲመጥሮስ ዝተመርሖ፡ ኣባ ዶስቆሮስ ዝርከቦ ልኡኽ፡ ቅድሚ ሕጂ ውን ብመርበባት ዜና ኤርትራ ተዘአርጊሑ ከምዝነበረ፡ ድሕሪ ብዙሕ ተኣንጎት ተሸብሸብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝጀመሮ ዑደት፡ ብኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ድሕሪ ዘጋጠሞ ተቓውሞታት ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ‘ቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተነጺጉ። ሓደ ምእንቲ ሃይማኖታዊ መሰላት ዝጣበቕ ኤርትራዊ ጉጅለ ኣብ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ‘ውን፡ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣቦና ኣንጠንዮስ ተኣሲሮም ሃለዋቶም ድሕሪ ምጥፍኡ፡ እቲ ብመንግስቲ ተሓርዩም ዘይሕጋዊ ስልጣን ዝተቐበሉ ኣባ ድዮስቆሮስ ዝርከቡዎ ጉጅለ ልኡኽ፡ “ ምስ’ቶም ወግዓዊ መራሒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝኾኑ ፓትርያርክ ኣንጠንዮስ፡ ነዚ ትገብሩዎ ዘለኹም ምብጻሕ ብዝምልከት ኣቐዲምና ምልውዋጥ መልእኽቲ ስለዘይገበርና ክንቅበለኩም ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም ነጺጎሞም። 

ብዘይካዚ ብ 7 ታሕሳስ፡ እቲ ልኡኽ ኣብ ሚላን ኣብ እትርከብ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ቅድስተማርያም ምእታው ተኸልኪሉ። ኣብታ ቤተክርስትያን ዘገልግሉ ሰብ መዚ፡ እቲ ልኡኽ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝውክል ኣይኮነን ኢሎም ብምውጋዝ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፖሊስ እቲ ልኡኽ ኣብ ማዕጾ ናይቲ ቤተክርስትያን ከይረግጽ ግቡእ ስጉምቲ ክወስዶ ሓቢሮም ኣባሪሮሞሞ። ይፍታሄን መሻርኽቱን ከኣ፡ ሰንበት ምድሪ ካብ ቤተክርስትያን ተሰጕጎም ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ክላእ ማንም ገዛ ኣራፊዶም።

ይኹን’በር መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ “ኣብ ሚላን ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ፓትርያርክ ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ” እናበለ ከምኣመሉ ህዝቢ ከደናግር ቀንዩ።

 

Al Shabab attacks rock Uganda

Eritrea Accused of Prisoner Abuse - Al Jazeer

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 19 31
Sweden 50 4 46
Germany 50 2 48
  Norway
30 16 14
  Italy
30 3 27
Netherlands 30 1 29
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 1 29
  Australia
30 14 16
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 23 52
USA-WC
75 10 65
USA-Minnesota 100 10 90