Eritrean News - assenna

    Banner
Thursday
Jul 29th
Home ብዛዕባ ኣሰና

ብዛዕባ ኣሰና

Print PDF

ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ መባእታዊ መሰል ወዲ ሰብ እዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ዓለም ሳላ ተክኖሎጂ ኢንተርነት ብሓበሬታ እተዕለቕልቐሉ ዘላ እዋን፡ ጽምኢ ሓበሬታ ዝወረሶ ምድረበዳዊ ደሴት ክህሉ ኣይግባእን።

ስለዚ ‘ኣሰና’፡ ህዝቢ ኤርትራ ተኻፋሊ ጸጋ ሓበሬታን መሰል ምግላጽ ሓሳብን ምእንቲ ክኸውን እጃማ ከተበርክት ነጻ መድረኽ ኮይና እትዓዪ መርበብ ሓበሬታ እያ።

ሓቂ ክትሽፈን ከላ ሓሶት እትገልህ በላሕ ብርዒ፡ ሓቂ ክትነግስ ከላ፡ ኣበ በሪኽ ተሰቒላ ‘ኣሰና’ ኢላ ሓጎስ እተበስር ነቃዊት መለኸት ክትከውን ትሕልን።

ብዘይ መሰል ነጻነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ፍትሕን ምዕባለን ክረጋገጽ ከምዘይክእል ትኣምን። እዚ  መሰል ‘ዚ ነታ ፍትሕን ምዕባለን ሓርቢቱዋ ዘሎ ሃገርና ብሓለፋ ከምዘድልያ ተገንዚባ ኸኣ ብጽኑዕ ትቃለሰሉ።

ግልጽና: ነጻነት ምግላጽ ሓሳባትን ዘየቋርጽ ዋሕዚ ሓበሬታን ክረጋገጽ ኣብ ርእሲ ምጥባቕ፡ ሚዛናዊ ርእይቶ ብምቕራብ ፡ ህዝቢ  ኤርትራ፡ ሓሳቡ ብነጻ ዝገልጸሉ መድረኽ መጺኡ፡ “ኣሰና!” ክሳብ ዝብል፡ ካብ ህቦብላ ፕሮፖጋንዳ ዘዕቅለላ ኩርናዕ ኮይና  ከምእትሰርሕ መብጽዓ ትኣቱ።

ወትሩ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ደው ትብል። ናጽነት ምስ ሓላፍነት ምዃኑ ኸኣ ኣይትስሕቶን።

ብርግጽ፡ እዚ እዋን’ዚ ‘ኣሰና’ ዘብል ኣይኮነን። ‘ኣሰና’ ግን፡ ዋላ ኣብ’ቲ ዝጸንከረ ግዜ ትስፉው ምዃን ፋይዳ ከምዘለዎ ኣሚና፡ ነዚ ከዋሕ ግዜ ብሕልና ፈንጢሳ ‘ኣሰና’ ብምባል፡ ስማ መሪሑ ህዝቢ ኣሰና ዝብለሉ መድረኽ ብርግጽ ክመጽእ ምዃኑ ተስፋ ተበስር። ብተስፋ እንተጽዒሩ፡ ንውድቀት ስዒሩ ጻማኡ ክረክብ ምዃኑ ትእምት። ህዝቢ እንተስ ብኽፋእ-ግብሪ እንተስ ብፕሮፖጋንዳ ሰልክዩ ምስ ወዓለ ንምሸቱ ገጻት ኣሰና ከገናጽል ከሎ ‘ኣሰና!’ ኢሉ ከስተርሑ ድማ ትብህግ።

ኣሰና !
 
ከም’ዛ ጽምብላሊዕ
ኣብ ህዋ ትሕብስ
ብነጻ ትስዕስዕ
“ኣሰና!” እናበለት
ኣፍልባ ትወቅዕ
ናጽነት ባህግና
ብሓጎስ ክንጎስዕ፡

ኣሰናይ! ኣሰና!
ክንብል ኩልና
እንሀት ኣሰና!

ኣሰናይ! ኣሰና!

Assenna.com

23/02/2007

This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

 

Al Shabab attacks rock Uganda

Eritrea Accused of Prisoner Abuse - Al Jazeer

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 19 31
Sweden 50 4 46
Germany 50 2 48
  Norway
30 16 14
  Italy
30 3 27
Netherlands 30 1 29
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 1 29
  Australia
30 14 16
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 23 52
USA-WC
75 10 65
USA-Minnesota 100 10 90